ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝቐረበሉ ሕጂ እዋን ናይ ጽልኢ ዘረባ ይንህር ምህላው ይግለጽ


ምርጫ ኬንያ ክካየድ ሒደት ሰሙን ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ሕጂ እዋን፣ ንመረጽቲ ንምጽላው ዝዓለመ ናይ ጽልኢ ዘረባ ብሕልፊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይንህር ኣሎ።

ኣመሪካዊ ትካል መጽናዕቲ ሜርሲይ ኮርፕ ብሕልፊ ኣብ እዋን ኣሳሓሓቢ ምርጫ፣ ህውከት ከበግሱ ዝኽእሉ፣ናይ ጽልኢ ዘረባታት ኣብ ኬንያ ተበራኺቶም ኣለው ይብል።

ኣብ ኬንያ ኣካያዲ መደብ’ቲ ትካል ቻርለስ ኦፖንዱ ገለ ሕጹያት፣ ዓሌታዊ ውጥረት ከስዕቡ ንዝኽእሉ ኣዘራርባታት ይጥቀሙ ከምዘለው ጠቂሱ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈጸሙ ምርጫታት፣ ሰባት ብሰንኪ መንነቶም መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ኮይኖም ተዛዚሞም እዮም።

ንኣብነት፣ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ልዕሊ 1100 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ድማ ካብ ከባቢኦም ከምዝተመዛበሉን ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG