ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሶማሌ: ሃረሪን ደቡብ ኦሞን ዝካየድ ምርጫ ምዝገባ ምጅማሩ ገሊጹ


ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ
ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሶማልን ሃረሪን ከምኡ`ውን ኣብ ደቡብ ዞባ ኦሞ፡ ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ንዝካየድ ምርጫ፡ ናይ መረጽቲ ምዝገባ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምርጫ ዝበዝሐ መራጽን ተወዳዳርን ኣብ ዝርከበሉ ክልል ሶማሌ ዝወዳደር ፓርቲ ኢዜማ፡ ኣብ ልዕሊ ቦርድ ምርጫ ቕረትኡ ኣስሚዑ`ሎ።

ፓርቲ ማሕበራዊ ፍትሒ-ኢዜማ፡ ሓዲሽ ካርድ ምርጫ ክሕተም፡ ኣፈጸምቲ ምርጫ ገለልተኛ ክኾኑ፡ ከምኡ ክልተ ተወሰኽቲ መደበራት ምርጫ ክውሰኹ ዝብሉ ሸሞንተ ቅረታታት ኣቕሪቡ`ሎ። ቦርድ ምርጫ ብወገኑ እቶም ቅረታታት ኣቐዲሞም ከምዘይበጽሕዎ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG