አዲስ አበባ —
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ’ታ ሃገር ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ንምክያድ ረቂቅ ሰሌዳ ጊዜ ንምይይጥ አቕሪቡ።
ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ እቲ እዋን ምርጫ ምቹእ ኣይኮነን ብምባል እቲ ጊዜ ክናዋሕ ክሓቱ ከለው ገሊኦም ኸ አ ንቅድሚት ክሰሓብ ሓቲቶም ኣለው።
እቲ ቦርድ ተወሳኺ መድረኽ ምይይጥ ከምዘዳሉ ገሊጹ’ሎ።