ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያን ንሕቶ ምርጫ ክልል ትግራይ ምንጻጉ:እቲ ክልል ምርጫ ካብ ምክያድ ከምዘይዓግቶ ተገሊጹ


ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንናይ ክልል ትግራይ ሕቶ ምክያድ ምርጫ ስለዘይተቀበለ ክልል ትግራይ እቲ ምርጫ ካብ ምክያድ ኣይዓግታን’ዩ ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም።

ኣቶ ኣማኑኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ብሄር ብሄረሳባትን ክልላትን ኢትዮጵያ ምርጫ ምክያድ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ስለዝኾነ ዝኽልክሎም የለን ኢሎም ኣለው።ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ዝቐረበ ምርጫ ናይ ምክያድ ሕቶ ምንፃጉ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ምፍላጡ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG