ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ሶማል፤ ዝስዕብ’ከ?


ምርጫ ሶማል፤ ዝስዕብ’ከ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:56 0:00

ምርጫ ሶማል፤ ዝስዕብ’ከ?

ሶማል ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተቓንዐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፕረዚደንት ክኸውን መሪጻ ኣላ። ኣብቲ ብኣባላት ባይቶ ዝተኻየደ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ናይ ቅድም ፕረዚደትን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ዝተገብረ ውድድር፡ ሸኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ፋርማጆ ድማ 110 ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሓሰን እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ደርቂ፡ ስእነት ጸጥታን ካልእ ዘይምርግጋእን ኣብ ዘላትሉ እዋን’ዩ ስልጣን ዝርከብ ዘሎ። ብዛዕባ ምርጫ ሶማልን ክህሉዎ ዝኽእል ከባቢያዊ ጽልዋን መብርሂ ክትህበና፡ ንዋና ዳይረክተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ጠሚቱ ዝሰርሕ “ሂራል” ዝዀነት ሰሚራ ጋይድ ቃለ-መሕተት አካይድና ኣለና። ሰሚራ ኣቐዲማ ኣማኻሪት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ካሂረ’ውን ዝነበረት’ያ።

ሕቶ፤ እዚ ምርጫ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ዝመስል ተራ ክሉዎ ይኽእል?

-እዚ ምርጫ’ዚ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ተናዊሑ’ዩ። ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ምድንጓይ ነይሩ። ምድንጓዩ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽ’ውን ዝተራእዮ’ዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ምርጫ’ዚ ነቲ ዝነበረ ከቢድ ሓጎጽጎጽ መጠናዊ ዕረፍቲ ክገብረሉ ዝኽእል ይመስለኒ። ገና ኣብ ኢትዮጵያ ርግኣት የሎን፡ ኣብ ኬንያ’ውን ምርጫ ይቀራረብ ምስ ምህላዉ ምሉእ ርግኣት የሎን። ካልእ እንተ ተረፈ ግን ኣብ ሶማል መጠናዊ ርግኣት ከምጽእ ስለ ዝኽእል ነቲ ዞባ ኣወንታዊ ተራ ክህሉዎ’ዩ።

ሕቶ፤ ፕረዚደንት ፋርማጆ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ተቐቢሉ ሰለማዊ ምስግጋር መንግስቲ ከፍቅድ ድሉው’ዶ ይመስለኪ?

-ንኻልእ ክፍተት ቦታ ዘሎ ኣይመስለንን። ተዓዋቲ ፕረዚደንት ድሮ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ስለዚ እቲ ተሪፉ ዘሎ ወግዓዊ ምርኽኻብ ስልጣን ጥራይ’ዩ። ንሱ ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ክፍጸም ዝኽእል’ዩ። ፕረዚደንት ቃለ-ማሕላ ምስ ፈጸመ’ውን እቶም ኣባላት ጸጥታ ድሮ ተኣዛዝነቶም ለዊጦም ኣለዉ። ስለዚ ንኣብያ ቦታ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ጥጡሕ ናይ ስልጣን ምስግጋር ክህሉ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ሕቶ፤ ኣልሸባብ ኣብ ቀረባ እዋን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ምርጫ ኣብ ልዕሊ’ዚ ዕጡቕ ጕጅለ እንታይ ዝመስል ተራ ክጻወት ኢልኪ ትግምት?

-ብሰንኪ ምድንጓይ እዚ ምርጫን ስእነት ኣተኵሮን መሓዉራት ጸጥታ እታ ሃገር ደኺሞም’ዮም ጸኒሖም። ስእነት ምውህሃድ ኣብ ምክልኻልን ስጕምታት ምውሳድን ኣመና ጕሉሕ’ዩ ጸኒሑ። ከም እምነተይ ድማ እዚ ምርጫ’ዚ ንሓያሎ ካብቶም ተወጊኖም ዝጸንሑ ጉዳያት መዕለቢ ክገብረሎም ዝኽእል ይመስለኒ። ገለ ካብኣቶም ዘተ ኣብ መንጎ መንግስቲን ፈደራላዊ ክፍሊ-ሃገራት ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ምስራዝ ዕዳን ካልእ ቍጠባዊ ማሕንቖታትን ዝተኣሳሰር ኣተኵሮ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ጉዳይ ኣልሻበባን ጸጥታን’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ጉዳይ ወታሃደራት ዓቃብ-ሰላም መሰጋገሪ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ (ATMIS)’ውን ኣሎ።

ሕቶ፤ ሓድሽ ምሩጽ-ፕረዚደንት ሓሸን ሼኽ ማሕሙድ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፋርማጆን ዘጣመረ ኪዳን ክበትኽ ዝኽእል’ዶ ይመስለኪ? እዚ ምርጫ’ኸ ኣብቲ ዞባ እንታይ ዝመስል ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ይመስለኪ?

-ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ፋርማጆን ዝነበረ ኪዳን ሕጂ ኣብ መኸተምታኡ በጺሑ ኣሎ። ጽልዋ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምለስ ዝኽእል ኣይመስለንን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ምሩጽ-ፕረዚደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና ክገብር ከድልዮ’ዩ። ምኽንያት ኢትዮጵያ ጎረቤት፡ ቍልፊ ሓጋዚትን ኣበርካቲት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊትን’ያ። ስለዚ ቀዳምነታት ዝወሃቦ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ኬንያ፡ ጂቡቲን ዝኣመሰላ ሃገራት ምሕዝነት ምድልዳልን ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድና ምዕራይን የድሊ። እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ተጻብኦ ብወገን ጎረባብቲ ሃገራት ምውጋድ’ዩ።

ሕቶ፤ እዚ ምርጫ ብሓፈሻኡ እንታይ ዝመስል ለውጢ ከምጽእ ይኽእል?

-እዚ ዓቢ ኣጀንዳ ኣብታ ብሕጂ እትቐውም ካቢነ ዝምርኰስ’ዩ። እቲ ዝቐውም መሪሕነት ዕሩይ፡ ኣሳታፊን ውሑስን መራሒ መገዲ ከነዲ ትጽቢት ይገበሮ። ፕረዚደንት ካቢትነቱ ክመርጽ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር’ውን ገና ብሕጂ’ዩ ክምረጽ። ካልኦት ወሰንቲ ከም መሓዉራት ጸጥታን ካልኦትን’ውን ብሕጂ’ዮም ክምልኡ። ስለዚ እቲ ተኽእሎ ኣሎ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ክህብ ዝኽእል መሲሉ’ውን ይስመዓኒ።

XS
SM
MD
LG