ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ምርጫ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያውያን እንተኾነ፤ ከም ኢትዮጵያ ንዝበሉ ብዙህነት ዘለወን ሃገራት ግና ፌደራሊዝም ዝሓሸ ስርዓት እዩ" ኣምባ. ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ


ምርጫ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያውያን እንተኾነ፤ ከም ኢትዮጵያ ንዝበሉ ብዙህነት ዘለወን ሃገራት ግና ፌደራሊዝም ዝሓሸ ስርዓት እዩ ክብላ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጀርመን ብሪታ ዋግነር ገሊፀን።

ብኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ክልል ትግራይ ብምብጻሕ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘትዮም።

ኣብ ቤትፅሕፈት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ጠመተ ዝገበረ ምንባሩ እየን እተን ኣምባሳደር ድሕሪ እቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ዝተዛረባ ከምኡ ድማ ኣብ መንጐ ጀርመናዊት ከተማ ጐታን ከተማ ዓድዋን ዘሎ ምሕዝነት ንምሕያል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘድሃበ ከምዝዝኾነ ተዛሪበን።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕብየት ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ለውጢ ጀርመን ትድግፎ እያ ኢለን። እቲ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝመስል ክንርደኦ ንፅዕር ኢና ኢለን። ምስ ስርዓት ፌደራሊዝም ተተሓሒዙ ድማ ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ብዙህነት ዘለወን ሃገራት ዝበለፀ እዩ ኢለን ከምዝኣምና ብምግላፅ እቲ ናይ ስርዓት ምርጫ ግና ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት እዩ ኢለን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ርክብ ነዊሕ ዓመት ዘቑፀረን ሓያልን እዩ ዝበላ ኮይነን እዚ ምሕያል ክቕፅል ድማ ኣተሓሳሲበን።

እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ምሕዝነት ከተማታት ዓድዋን ጐታን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጀመረ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ከተማታት ንምሕያል ምዃኑ’ውን ተገሊፁ።

ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ዘስላሰ ዘርኣብሩኽ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ከተማታት ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብ፣ ማሕበራዊ ፀገማት ተሓባቢርካ ኣብ ምፍታሕን ብተወሳኺ ድማ ባህላውን ታሪኻውን ርክባት ንምሕያል ይስራሕ ምህላዉ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG