ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ ማዕረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክብደት ይወሃቦ


ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ ማዕረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክብደት ይወሃቦ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:55 0:00

ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ ማዕረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክብደት ይወሃቦ

ጽባሕ ሰሉስ ዝካየድ መፋርቕ ምርጫ ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ደሞክራትን ሪፓብሊካንን ንሰነትን ተወከልቲ ህዝቢን መን ይቆጻጸር ከቢድ ውድድር’ዩ ዘሎ። ሰልፊ ሪፓብሊካን ድሮ ኣብ ምርጫ ናይ ምድንጋር ተርእዮ ከም ዘሎ ይጠርዑ ኣለዉ።

ኣብ ማእከላት ምርጫ፡ ሰሉስ ንመወዳእታ ድምጺ ክወሃብ’ዩ። ዛጊት ሰልፊ ደሞክራት ብኣዝዩ ንእሽቶ መጠን ንኮንግረስ ይዕብልል ኣሎ።

እቶም በበይኖም መመልከቲታት የርእዩዎ ከም ዘለዉ ግን ሰልፊ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ተወከልቲ ህዝቢ ገለ መናብር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰነት ንገለ ክፍለ-ግዝኣታት ክስእነን ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብዚ ዓመት ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ፡ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ለውጢ፡ ምናልባት ንኣድመጽቲ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ክደፍኦም’ዩ ዝብል ግምታት ኣሎ። ንሱ ሓደ ደፋኢ ምኽንያት ደኣ ይዅን እምበር፡ ካልእ ከም ዝቕባበ ቍጠባ ግን ንመንባብሮ ሓያሎ ዜጋታት ኣዝዩ ጸልዩ ኣሎ።

ካብ ሰልፊ ደሞክራት ዝዀነ ኣባል ሰነት ኮርይ ቡከር ብዛዕባ’ዚ ከብርህ እንከሎ፤“ዋላ’ኳ ቍጠባና ኣብ መንቀራቕሮ እንተሎ፡ ህዝቢ ግን ሰልፊ ደሞክራት ንመሰል ሰራሕተኛታትን ማሕበራት ዝጣበቕ፡ ዋጋታት መድሃኒት ዘጕድልን ቀረብ ጥዕና ንዅሉ ብማዕረ ክባጻሕ ዝጽዕርን ምዃኑ ኣይርስዑን’ዮም። እዚ ሰልፊ ንሓያሎ መሰረታውያን ነገራት ከም ውሕስነት መሰል ናጽነት ጥንሲ ዝጣበቕ’ዩ። ስለዚ ቀሊል ምርጫ ኣይክኸውንን’ዩ። ዋላ’ኳ ምርጫ መፋርቕ ደኣ ይዅን እምበር፡ ንሰነት መን ይቆጻጸሮ’ውን ዝውስን’ዩ፡”ይብል።

ገለ ኣባላት ሰልፊ ረፓብሊካን፡ ኣሰር ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብምስዓብ፡ ስርቂ ድምጺ ይርአ ከም ዘሎ ይምጕቱ ኣለዉ።

ነቲ ድሮ ልሙድ ምስምስ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ስርቂ ድምጺ ምርጫ ንምዕራይ ግን ገለ ኣካላት ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣለዉ። ብፕረዚደንት ነበር ጂሚ ካርተርን በዓልቲቤቶም ሮሳልይን ካርተርን ዝቖመ ማእከል ካርተር ሓደ ካብኣቶም’ዩ። ብሕልፊ እኳ ኣብታ ቀንዲ ኣከራኻሪት ዝዀነት ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ እዚ ኣሃዱ’ዚ ወሳኒ’ዩ።

ኣብ መንጎ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ዝዀነ ራፋኤል ዋርኖክን ናይ ቅድም ስፖርተኛን ናይ ሕጂ ንሰልፊ ረፓብሊካን ወኪሉ ዝወዳደር ዘሎ ሀርሸል ዎከርን ዘሎ ውድድር፡ ጠመተ ብዙሓት ስሒቡ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ማእከል ካርተር ዳይረክተር ደሞክራሲ ዝዀነ ዳቪድ ካሮል ንኣሶሴይትድ ፕረስ ብዛዕባ’ቲ ሰፊኑ ዘሎ ስእነት እምነት ከምዚ ኢሉ ነይሩ፤ኣመሪካውያን ኣብ ምርጫ እምነት ከጥፍኡ ጀሚሮም ኣለዉ። ስለዚ ድማ ዘይሻራዊ ኣካል ነዚ ምርጫ ክዕዘቦ እንከሎ እምነት ኣብ ምስፋን ተራ ክህሉዎ ይኽእል። ከም ተዓዘብቲ ምርጫ ድማ ዝዓመቘ ርድኢት ክህሉን ኣብ ምርጫ እምነት ክህልውን ንሰርሕ ኣሎና።”

ኣብ ካልእ ወገን ኣብ ክፍለ-ሃገር ፐንሲልቫኒያ፡ ኣብ መንጎ ናይ ደሞክራት ሰልፊ ጆን ፈተርማንን ብዶናልድ ትራምፕ ዝተደገፈ ዶክተር መሃመት ኦዝን እቲ ውድድር እናጸበብ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። እዚ’ውን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ዘሎ’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ሳንዲያጎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦዎ ቃል፡ ተስፋ ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣባላት ሰልፊ ረፓብሊካን ግን ናብ ዓወት ዝወስድ መገዲ ርጕጽ ምዃኑ ይኣምኑ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ቨርጂንያ ዝዀኑ ግለን ያንግኪን፡ እቲ ምርጫ ንፕረዚደንት ባይደን ናይ መዘኻኸሪ ደውል ከም ዝዀኖም ይምጕቱ። እቶም ኣመሓዳሪ፡ ኣብዚ ክልተ ዓመት ህዝቢ ኣመሪካ ከቢድ ሽግር ከም ዝረኣየ ይዛረቡ። ተወካሎ ህዝቢን ሰነትን ሰልፊ ረፓብሊካን ምስ ተቖጻጸሩዎ እቲ ዝበሉዎ መብጽዓ ከተግብሩ ምዃኖም ድማ ንመደበር ቴለቪዥን ABC ቃል-ሂቦም።

ጋዜጣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ድሮ 32 ሚልዮን ህዝቢ ድምጾም ብደብዳበ ልኢኾም ኣለዉ። እቲ ብኣካል ድምጺ ምሃብ ከይተዛዘመ ግን ምቝጻር ኣይጅመርን’ዩ።

XS
SM
MD
LG