ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ሆንግ-ኮንግ ንኣረኣእያ ኣመሪካ ይኸፋፍል


አባላት ሓድሽ ዝተመርጸ ባይቶ ሆንግ ኮንግ
አባላት ሓድሽ ዝተመርጸ ባይቶ ሆንግ ኮንግ

ግዝኣት ሆንግ-ኮንግ ብሰንበት፡ ኣብ ትሕቲ መነጸር ኣዒንቲ በይጂንግ፡ ብዝገበረቶ ምርጫ ባይቶ 89 ካብ 90 መናብር ብደገፍቲ ምምሕዳር ማእከላይ መንግስቲ ቻይና ተሓዚኡ ኢሉ። እዚ ምርጫ ንኣረኣእያ ኣመሪካ ክቕይሮ ድዩ ወይስ ከም ዘለዎ‘ዩ ክቕጽል፧ ኣካታዒ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ንዒላማ ማእከላይ መንግስቲ ቻይና ብዘተግብሩ ተወከልቲ ከም ዝመልአ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ካብተን 90 መናብር ባይቶ፡ ሓንቲ ጥራይ‘ያ ብደጋፊ ደሞክራሲ ዝዀነ ሰብ ተታሒዛ ዘላ።

እዚ ተግባር መርኣያ ምብሕጓግ ደሞክራሲ ኣብቲ ግዝኣት ዝሓስቡዎ ብዙሓት ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ክትወስዶ ዘድሊ መስመር ግን ስምምዕ ዘሎ ኣይመስልን።

እዚ ምርጫ ማእከላይ መንግስቲ ቻይና ንኣገባብን ብዝሒ መናብር ባይቶን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ምስ ቀየሮ ዝተገበረ ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ። በቲ ሓድሽ ቅጥዒ ምርጫ መሰረት 90 መናብር ባይቶ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝምረጽ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 20 መናብር ግን ብማእከላይ መንግስቲ ቻይና ብዝሕረዩ ኣባላት’ዩ ዝተሓዝ።

ምርጫ ሆንግ-ኮንግ ካልእ ቅጥዒ’ውን ተወሲኹዎ’ዩ። ተወዳደርቲ ንደረጃ ሃገራዊ ስምዒቶም ኣቐዲሞም ብመንግስቲ ቻይና ምጽራይ ክግበረሎሞን ዘድሊ ገምጋም ምስ ተኻየደሎምን ጥራይ’ዮም ንውድድር ክቐርቡ ዝኽእሉ።

ምምሕዳር በይጂንግ ብዘካይዶ ዘሎ ተደጋጋሚ ምትእትታው፡ መብዛሕትኦም ተቓወምቲ እቲ ግዝኣት ተሰዲዶም ወይ ድማ ካብቲ ምርጫ በዂሮም’ዮም። ብዝሒ መራጺ 30:2% ጥራይ ምንባሩን እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት ዝተሓተ ቍጽሪ ምዃኑን ይንገር።

ውጽኢት እቲ ምርጫ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ ኣመሪካን ካልኦት ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራትን፡ “እቲ ተግባር ንደሞክራሲ ዝብሕጕግን ኣመና ዘሻቕልን” ክብላ መግለጺ ኣውጺአን።

ጕጅለ ሸውዓተ፡ ምምሕዳር በይጂንግ ንስምምዕ 1984 ከኽብር’ውን ጸዊዐን። ብመሰረት’ቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ስምምዕ ቻይናን ብሪጣንያን፡ እታ ግዝኣት ኣብ 1997 ናብ ቻይና ክትምለስ እንከላ፡ ንዝመጽእ 50 ዓመታት ግን ርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ክህሉዋ ዝብል’ዩ ነይሩ።

ሰኑይ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ግዝኣት ሆንግ-ኮንግ ኰይኖም ኣብ ንግዳዊ ንጥፈት ምስ ዘካየዱ ሓሙሽተ ሰበ-ስልጣን በይጂንግ ማዕቀብ ኣንቢሩ ኣሎ።

ስጕምታት ሃገራት ምዕራብ ግን ንምምሕዳር በይጂንግ መሊሱ ዘናቕጽ ዘሎ’ዩ ዝመስል። ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝዀነ ዛኦ ሊጃን ነቲ ሸውዓት ሃገራት ዘውጽአኦ መግለጺ “ኣምሰሉን ጽቡቕ ዕላማ ዘይብሉን” ክብል ነጺጉዎ ኣሎ። እቲ በዓል-ስልጣን ወሲኹ እቲ ተግባር ቻይና ንሆንግ-ኮንግ ንምምዕባል ኣብ እትገብሮ ፈተነ ዝጻጸር’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

እቲ ወሃብ-ቃል ንጉዳይ ማዕቀብ ኣመልኪቱ ድማ “ዘሕንኽ” ተግባር ክብል መሊሱሉ። ሃገሩ ንድሕነት ዜጋታት ዘድሊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይትቝጠብ ድማ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዋሺንግተን ዝመደበሩ ምክልካል ንደሞክራሲ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሕ ናታን ፒካርሲክ፡ ኣመሪካ ኪንዮ ናይ ምዅናን ዝኸይድ መግለጺ ስጕምቲ ክትወስድ ከም ዘለዋ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ፒካርሲክ ከም መነጻጸሪ ንምጕት ቅልጡፍ ስጕምቲ ኢሉ ዘቕርቦ ኣተሓሕዛ ኣመንቲ እስልምና ውጊሩ ኣብ ቻይና’ዩ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ በይጂንግ ቅልጡፍ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዳ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ዝተራእየ ተግባራት ኣብ ሆንግ-ኮንግ’ውን ክድገም ተኽእሎ ከም ዘሎ የመልክት።

ካልኦት ተንተንቲን ናይ ቀረባ ተኸታተልቲን ግን ዝተፈለየ ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም።

ካብ ማእከል መጽናዕቲ ትካል ኪሲንጀር ዝዀነ ሮበርት ዳልይ፡ ጉዳይ ሆንግ-ኮንግ ዝተዓጽወ ምዕራፍ ምዃኑ ይምጕት። ዳልይ ወሲኹ፡ ሆንግ-ኮንግ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቻይና ምእታዋ ንጹርን ንድሕሪት ዘይምለስ ስጕምቲን ምዃኑ ይሕብር። ከም ኣገላልጻኡ ድማ ኣመሪካ ንዓለም ሆንግ-ኮንግ ዝተፈለየ ኣተሓሕዛ ከም ዘይብላ ከተፍልጥን ነታ ግዝኣት’ውን ማዕረ ካልኦት ከተማታት ቻይና፡ ከም ሻንሃይን በይጂንግን፡ክትርእያን ይምዕድ።

XS
SM
MD
LG