ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርመራ ቫይረስ ኮረና ኣብ ክልል ትግራይ ንፈላማ ግዜ ተጀሚሩ


ምርመራ ቫይረስ ኮረና ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ንፈላማ ግዜ ተጀሚሩ::

ብኢንስቲትዩት ምርመር ጥዕና ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ መዓልቲ 270 ሰባት ክምርምር ዘኽእል እዩ ተባሂሉ:: ምርመራ ቫይረስ ኮረና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ክካየድ ዝጸንሓ ኮይኑ: ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ተወልደ ውብኣየሁ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም::

ከይዲ ፈተነ እቲ ምርመራ ዕውት ብምኻኑ ምርምራ ብዕሊ ንጅምር ዘለና ኢሎም:: 4 ሰብ ሞያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጠና ወሲዶም ከምዝመፁ ዝሓበሩ ዶክተር ተወልደ: ብዘሎ ግዚያዊ ዓቕሚ ኣብ መዓልቲ 270 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮረና ክነካይድ ንኽእል ኢና ክብሉ ተዛሪቦም:: ምርመራ ዝካየደሎም ሰባት ብሓካይም ዝተመረፁን ብተወሳኺ ድማ ዝተጠርጠሩ ሰባት እዮም ዝበሉ ዶክተር ተወልደ: ሓካይም ካብ ዝተጠርጠረ ሰብ ናሙና ወሲዶም ዝልእኽዎ እዩ ኣብ ላብራቶሪ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዝምርመር ኢሎም:: ክምርመር እየ ብምባል ናብቲ ኢንስቲትዩት ሰብ ክመፅእ የብሉን ክብሉ ድማ ገሊፆም::

ብቐፃሊ ተወሳኺ ሰብ ሞያ ንምስልጣንን እቲ ምርመራ ንምስፋሕ ትልሚ ሒዝና ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶክተር ተወልደ ውብኣየሁ ሓቢሮም:: ኣብ ዝሓላፉ ሰሙናት ካብ ክልል ትግራይ 55 በቲ ቫይረስ ናይ ዝተጠርጠሩ ሰባት ናሙና ናብ ኣዲስ ኣበባ: ቅድም ኢሉ ድማ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ተላኢኾም ብምርመራ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምኻኖም ተረጋጊፁ እዩ::

ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤልን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ትማሊ ምጅማር ምርመራ ኮረና ቫይረስ ኣብ ትግራይ ኣብቲ ኢንስቲቲዩት ተረኺቦም ተዓዚቦም እዮም። ዶ/ር ደብረፂዮን፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ መመርመሪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ብዘይ ምንባሩ ንህዝቢ ናብ ስግኣት ዘእተወ ከም ዝነበረ ገሊፆም:: ኣብ ትግራይ እቲ ምርምራ ብምስፋሕ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ክልል ዘለዎ ደረጃ ንምፍላጥ ሓጋዚ እዩ ድማ ክብሉ ተዛሪቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ምርመራ ቫይረስ ኮረና ኣብ ክልል ትግራይ ንፈላማ ግዜ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:52 0:00



XS
SM
MD
LG