ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንክልተ ፈደራላዊ ትካላት፡ ንወጻኢ ሃገራት ዝህብኦ ቢልዮናት ዶላራት ረድኤት ጠጠው ከብልኦ ኣዚዙ።
ረድኤት ወጻኢ ደው ከብላ ተኣዚዘን ዘለዋ ኣብያት ጽሕፈት መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻእን፡ ትካል ዩናይትድ ስቴትስ ንኣህጉራዊ ልምዓት(USAID)’የን። ኣቐዲሙ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ባጀት መንግስቲ ኣሜሪካ ንንጹር ዕላማ ዘይተመደበ ገንዘብ ኩሉ ክድስክል ምእዛዙ ይዝከር ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ 10 መዳያት፡ ዝህቦ ረድኤት ወጻኢ ደው ከብሎ ዝተኣዘዘ ኮይኑ፡ ካብኣቶም ኣህጉራዊ ጉዳይ ጥዕና፡ ዕቃበ-ሰላም፡ ዕጸ-ፋርስ፡ ከምኡ`ውን ልምዓታዊ ሓገዝ ዝብሉ የጠቓልል።
ነቐፍቲ`ቲ ሓዲሽ ትእዛዝ፡ እቲ ገንዘብ ካብ 2 ክሳብ 4 ቢልየን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእልን ነዚ ዓመተ- 2018-2019 ክጠፍእ ዝተመደበ ገንዘብ ምንባሩን ይገልጹ።
እቲ ባጀት ብባይቶ ኣሜሪካ ጸዲቑ ዝነበረ`ዩ። ነዚ ብባይቶ ዝጸደቐ ባጀት ብምምሕዳር ትራምፕ ምድስካሉ ድማ ንገለ ኣባላት ባይቶ ኣቖጢዑ`ሎ።
“እዚ ምምሕዳር`ዚ ንኮንግረስ ዘለዎ ንዕቀት ዘሰንብድ`ዩ”- ዝበሉ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኮንግረስማን ኤልየት አንግል ኣስዒቡ፡ “ኮንግረስ ንናይ ወጻኢ ረድኤት፡ ገንዘብ ክምድብ ከሎ፡ ሓሳብ ኣይኮነን ዝህብ ዘሎ እንታይ ደኣ ሕጊ `ዩ -ብሕገ-መንግስቲ ዝተደገፈ ሕጊ “ ይብል።
እዚ ደሞክራቲክ ሓጋጊ ኣስዒቡ፡ እዚ ትእዛዝ ምምሕዳር ሪፓብሊካን፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣሜሪካዊ ክብርታትን መሪሕነትን ከይህልወና`ዩ ዝገብር ዘሎ ይብል።
ኢንተርኣክሽን, ዝተባህለ ንድኻታት ዓለም ዝሰርሕ ጥምረት ዘይመንግስታዊ ትካላት`ውን፡ ነቲ ረድኤት ክድስክል ዝገብር ትእዛዝ ምምሕዳር ትራምፕ ኮኒኑ`ዎ ኣሎ።
ወሃቢት ቃል ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ባጀት ራቸል ሰመል ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ፈደራላዊ ትካላት፡ ብኮንግረስ ዝተፈቕደለን ገንዘብ ብግቡእ ኣብ መዓላ ከውዕልኦ ሓላፍነት ኣለወን ዝብል መልሲ ሂባ`ላ።
ኣብ ኩሉ ዝሓለፈ እማመታት ባጀት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ረድኤት ወጻኢ ብዙሕ ምንካይ ክግበር ክእምም ጸኒሑ`ሎ። ኮንግረስ ግን ኩሉ ግዜ ምስ ነጸጎ`ዩ።
ዝሓለፈ ዓመት`ውን ባይቶ ኣሜሪካ ዕረፍቲ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ዋይት ሃውስ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ንምሕላፍ ፈቲኑ ምንባሩ ይዝከር ።