ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ውሎ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ኣብቲ ከባቢ ንዝረአ ጸገም ትኹረት ክህብዎ ሓቲቶም


ወረባቦ ወረዳ 018 ቀበሌ
ወረባቦ ወረዳ 018 ቀበሌ

ኣብ ውሽጢ ዞባታት ኹናት ክንቀሳቀሱ ዝኽእሉ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ኣብ ከባቢ ወሎ ዝረአ ዘሎ ሰብኣዊ ጉድኣት ንምዕጻፍ ዝገብርዎ ጻዕሪ ውሑድ'ዩ ክብሉ ምምሕዳራት ደቡብን ሰሜንን ወሎ ተዛሪቦም። ሕጂ'ውን እንተኾነ ነቲ ጸገም ትኹረት ክወሃቦ ሓቲቶም።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሽባሪ ክብል ዝሰየሞን ንገዛእ ርእሱ መኸላኸሊ ሓይሊ ትግራይ ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ናብ ወረዳታት ተሁለደሬ: ኣምባሰል: ወረባቦን ዶላንታን ሰሊኹ ንምእታው ፈተነ ጌሩ ግን ፈተነኡ ፈሽሉ ንድሕሪት ከንሳሕብ ተገይሩ'ሎ እንተበሉ'ዃ ፖለቲካዊ ምምሕዳራት ሕጂ'ውን ስግኣት ኣለና ዝብሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ከምዘለዉ ዝጠቀሰ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሓደ ካብ ሓረስቶት'ዮም ዝበሎም ኣቶ ይማም ኣሕመድ ጥሪት ሓዊሱ ንዘበናት ዘጥረናዮ ጥሪት ሰለስተ- መዓልታት ኣብ ዘይሓልፍ ግዜ ጉድኣት ወሪዱ ምባሎም ሓቢሩ'ሎ።

ኣመሓዳሪ ቀበሌ 08 ወረዳ ወረባቦ ኣቶ ሰይፍ መሓመድ ዝተባህሉ ኸኣ ሓረስቶት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ከብትና በሪሱና ንዝገደደ ጸገም ከይንቃላዕ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ህጹጽ ረድኤት ይግበረልና ክብሉ ሓቲቶም ለዉ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ግን ከምዚኦም ዝበሉ ምስ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ዘረፋን ንዝለዓልዎም ክስታት ደጋጊሞም ኣሉታ ሂበምሉ'ዮም። "ሓይልታትና ንጹሃት ዜጋታት ዒላም ኣይገብሩን'ዮም" ኢሎም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ ሰይድ መሓመድ ሰሊኹ ክኣቱ ምስ ዝፈተነ ሰራዊት ህወሓት ልዕሊ ወርሒ ኹናት ከምዝገበሩ ዮም ንቮኦኤ ገሊጾም።

ህወሓት ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ወሎ ጥምየት ኣትዩ ንዝብል ግን ናብ ጥምየት ዝሰገረ ጸገም የለን ኢሎም ለዉ። ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ዲያቆን ተስፍሁን ባያበል ብሰንኪ'ቲ ኹናት ልዖሊ 270- ሽሕ ከምዝተመዛበሉን ብዛዖባ'ቶም ህወሓትኣብዝተቆጻጸሮ ዞባታት ሰሜን ወሎ ህዝቢ ክምዝሻቀሉ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ብወገኖም ሓይልታቶም ኣብ ዝተቆጻጸርዎ ከባቢታት ዝርከብ ሓገዝ ዘድልዮም ኣባላት ማሕበረሰብ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ክረኽቡ ኩነታት ብምምችቻው ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ምኻኖም ገሊጾም ክብል ምስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ ሓቢሩ::

XS
SM
MD
LG