ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ካብ ጅቡቲ ዝተሰጎጉ 814 ኢትዮጵያዊያን ኣብ መወሸቢ ምሕላዎም ገሊጹ


ከንቲባ ከተማ ድሬዳዋ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ 
ከንቲባ ከተማ ድሬዳዋ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ 

መንግስቲ ጅቡቲ ዘይሕጋዊያን እዮም ንዝበሎምን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጎጎም 814 ኢትዮጵያዊያን ተቐቢሉ ኣብ መወሸቢ ይሕብሕቦም ምህላው ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣፍሊጡ።

ነዞምተፈሊዮም ንዝተቐመጡ ኢትዮጵያዊያን ናይ መግቢ፣መደቀስን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ብምምላእ ን14 መዓልታት ከምዘፅንሖምን ድሕሪ 14 መዓልታት ኮሮናቫይረስ ዘይምህላዎም ተረጋጊፁ ናብ ከባቢ መንበሪኦም ከምዝልኣኹን ምክትል ከንቲባ ከተማ ድሬዳዋ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ናይታ ከተማ ምምሕዳር ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ነበርቲ ክገብሩዎም ብዛዕባ ዝግብኦም ተግባራት መብርሂ ምሃቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG