ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ትራምፕ ማህበራዊ ሓገዝ ዝቕበሉ ሓተቲ ቀዋሚ መንበሪ መቕጻዕቲ ዝህብ ፖሊሲ ኣውጺኦም


ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ወጻእተኛታት ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ኣብ ዝነብርሉ ጊዜ ህዝባዊ ረብሓታት ከም ነጻ ሕክምናን ናይ መግቢን አባይትን ሓገዝ ዝረኽቡ ወይ ዝጥቐሙ እንተኾይኖም ቀዋሚ መንበሪ ወይ ዜግነት ከይረኽቡ ዝክልኽል ሓድሽ ፖሊሲ አውጺኡ።

ተሓለቕቲ ግን ነቲ ትማሊ ዝተገልጸ ሓድሽ ፖሊሲ ንድኻታትን ወጻእተኛታትን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዒላማ ዝገብር’ዩ ክብሉ ነቲ ፖሊሲ ይነቕፉ ኣለው።

አርትሮ ባልዲኖ ናብ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ አ አትው 14 ዓመታት ጌሩ’ሎ። ኣሜሪካዊት በዓልቲ ቤትን ደውን አለውዎ። ካብ ሓደ ኩባንያ ህንጻ ዝተጻሕፈሉ ደብዳብ’ውን ስራሕ ከምዘለዎ የረጋግጽ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ቀዋሚ መነበሪ ፍቓድ ማለት ግሪን ካርድ ንምርካብ ዘቕረቦ መመልከቲ ከምዝተነጽገ ይሕብር። ምኽንያቱ ድማ ስድራ ቤቱ ሓገዝ መግብን ነጻ ሕክምናን ኣብ ዝህብ ፕሮግራም ሃገዝ ንትሑት አታዊ ስለዝጥቀሙ ምዃኑ ንሱ ወሲኹ የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG