ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ባይደን ኣብ 2047 ቁጽሪ ብካንሰር ዝሞቱ ብፍርቂ ንምጉዳል ዘኽእል ውጥን ወግዓዊ ጌሩ


ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ካንሰር ሙንሻት ኣብ ዝዛረብሉ ዝነበረ እዋን
ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ካንሰር ሙንሻት ኣብ ዝዛረብሉ ዝነበረ እዋን

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዝቅ፟ጽሉ 25 ዓመታት ብካንሰር ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ብውሑዱ 50% ክጎድል ዘኽእል መደብ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ገይሮም ።

እዚ ነቲ ኣብ 2016 እዋን ምምሕዳር ኦባማ: ጆ ባይደን ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኖም ዝመርሕዎ ዝነበረ ፕሮግራም “Cancer Moonshot” ዝቀ፟ፀለ እዩ ። ባይደን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ “ ካንሰር ሙንሻት ማእከል ልዑል ክትትልን ፃዕርን ምምሕዳር ባይደን ሃሪስ ንምግባር ትልምና ብምልላይና ኩርዓት ይስመዐኒ ። ርግፅ'ዩ ድፍረትን ሕርፋን ዝመልኦ ይመስል ግን ድማ ክትግበር ዝኽእል እዩ ። ከምቲ ሳይንስ ክታብታት ኮቪድ19 ብቅ፟ልጡፍ ንከማዕብል ዝጠጠቀ፟ምናሉ ካንሰር ንምውጋእ'ውን ልዑል ቅልጣፈ ዝሓዘለ ስምዒት ክንላበስ ኢና ”ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ካንሰር ካብ ቀታሊ ሕዱር ሕማም ናብ ዝኾነሉ ደረጃ ክሰጋገር ብምስራሕ ንግዳያትን ስድረኦምን ዝበለፀ ሓገዝቲ ተሞክሮታት ክረክቡ ምግባር የድሊ ኢሎም።

ብምኽኒያት ለበዳ ኮቪድ ትሸዓተ ሚልየን መርመራታት ካንሰር ምትዕንቓፎም ብምጥቃስ ሎሚ'ውን ኣመሪካውያን መርመራታት ካንሰር ከካይዱ ባይደን ኣተሓሳሲቦም ። ነዚ ክሕግዝ'ውን ኣብያተፅሕፈት መንግስቲ ካንሰር ንምቅላስ ዝሕግዙ ሜላታት ዘተሓባብሩ ሰበስልጣናት ዝሓዘ “ ካቢኔ ካንሰር ” ኣጣይሾም ።

ብፍላይ ኣንፃር ካንሰር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ባይደን ኣብ 2015 ቦኽሪ ወዶም ቦዉ ብናይ ሓንጎል ካንሰር ምስኣኖም ተተሓሒዙ ምስ ውልቀ ጉዳዮም ዘተኣሳስርዎ እዩ ። ፕሮጀክት ማሕበር ካንሰር ኣመሪካ ከምዝሕብሮ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 609,000 ብካንሰር ዝሞቱን ልዕሊ 1.9 ሚልየን ድማ ሓድሽ ብካንሰር ዝተትሓዙ ከምዝርከቡ ይሕብር ።

ኣብቲ እዋን ዝተረኽባ ምኽትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስ እውን “ሰባት ድሕሪ ሕክምናዊ ክትትል ምግባሮም ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝበለፀ ኣብዚ እዋን ካብ ካንሰር ይፍወሱ ኣለዉ “ ኢለን ። ንሰን ንባዕለን ካብ ጡብ ካንሰር ዝደሓና እየን ። ወላዲተን ተመራማሪት ካንሰር ዝነበራን ዳር ኣብ2019 ብኮለን ካንሰር ሕይወተን ሓሊፍ እዩ ።

እቲ ምምሕዳር ብዛዕባ ገንዘባዊ በጀት ግና ኣብቲ ትማሊ ሮቡዕ ዝሃቦ መግለፂ ዝበሎ የለን ።

XS
SM
MD
LG