ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎ ንግዳዊ ዝምድናታት የደልድል


“ንዕብየትን ብልጽግናን ኣፍሪቃ ብሓባር” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ሓድሽ ተበግሶ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ጀሚሩ። ንግዳዊን ካልእ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከደልድል ትጽቢት ዝግበረሉ መደብ ንምትግባሩ ካብ ባይቶ ኣመሪካ ናይ 80-ሚልዮን ባጀት ተሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ሃገራዊ ቤት ም​ኽሪ ጸጥታ ዋይት ሃውስ፡ ላዕለወይቲ ተጸዋዒት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ዳና ባንክስ፡ ብርሕቀት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ዝምድና ክትገብር ድልውቲ ምህላዋ ሓቢራ።

ብመሰረት ዳና ባንክስ፡ ዕላማ’ቲ መደብ፡ ምምሕዳር ባይደን-ሃሪስ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ወፍሪ ንምሕያልን መብጽዓ ምሕዳስን’ዩ። ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣውፈርቲ ብምርኻብ፡ ክልተኣዊ ልውውጥ ንግዲን ወፍሪን ንምድንፋዕን’ዩ ዝበለት ዳና ባንክስ ነዚ ዘኽእሉ ዕቑራት ዓቕሚ ምህላዎም ድማ ወሲኹ ገሊጻ።

“ንዕብየትን ብልጽግናን ኣፍሪቃ ብሓባር” ብወገን ኣመሪካ ዝርአ ዘሎ ንግዳዊ ተገዳስነት ናይ ፈለማ ተበግሶ ኣይኰነን። ኣብ 2000 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ‘ንዕብየትን ወፍሪን ኣፍሪቃ’ ዝተሰምየ ተበግሶ ጀሚሮም ነይሮም። ብመሰረት’ቲ ውዕል፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ን6,500 ዓይነታት ፍርያት ብዘይ ግብሪ ናብ ኣመሪካ ክሸጣ ዘኽእል’ዩ። እቲ ተበግሶ ክሳብ ሕጂ’ውን ዘሎ ኰይኑ፡ ክሳብ 2025 ተናዊሑ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ብሩኪንግ ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብተን ቀንዲ ረባሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢያ። ኣብ 2019 ጥራይ ድማ ፍርያት ተሽከርከርቲን ውጽኢት ሕርሻን ናብ ኣመሪካ ብምልኣኽ 917 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገይራ። ካልእ ብዩኒቨርስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ’ውን፡ ኣስታት 10% ቀረብ መስተ ነቢት ኣመሪካ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣቱ’ዩ። ኣብ 2017 ጥራይ ካብ መሸጣ ነቢት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 59 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገይራ።

ኣመሪካን ኬንያን፡ ሓባራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ውዕል ክገብራ ኣብ ምዝርራብ ይርከባ።

ብመሰረት ቃል ላዕለወይቲ ተጸዋዒት ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ባንክስ ድማ፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ዝምድና ከተዕቢ ትደሊ ኣሎ።ባንክስ ኣፍሪቃ ቀልጢፋ ናብቲ ዓለማዊ ልውውጥ ንግዲ ትኣቱ ዘላ ኣህጉር’ያ ክትብል ትገልጽ ። ዕብየት ህዝቢ፡ ሃብታም ባህሊ፡ ተስፋ ዘለዎ ናይ ንግዲ ተገዳስነት፡ ዓበይቲ ናይ ርክብን ስራሕን ዕድላት ብምዃንም ድማ እቲ ዝምድናታት ኣብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ናይ ስራሕ ተኽእሎታት ክፈጥርን ንቑጠባዊ ገስጋስ ኣፍሪቃ ኣበርክቶ ክህሉዎን ኣተስፋዊ’ዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢ መምህር ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ዝምድናታት ዝዀነ ገሪሾም ኢኪያራ፡ እቲ ተበግሶ ንዝምድና ኣመሪካን ኣፍሪቃን ከሐይሎ ከም ዝኽእል ይኣምን። “ንግዲ፡ ንሓያሎ ከምእኒ ጸጥታ፡ ፖለቲካን ዝምድናታትን ዝኣመሰሉ ጽላታት ዝቕይስ ብምዃኑ፡ ኣመሪካ ነዚ ዕቝር ዓቕሚ ናብ መዓላ ክትልውጦ ትፍትን ዘላ ይብል ። እዚ ንኣፍሪቃን ኣመሪካን ማዕረ ዕድላት’ዩ ዝበለ ኢኪያራ ድማ፡ ምስ ብዝሒ ናብ ኣመሪካ ዝስደዱ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን፡ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ባህሊን ፍርያትን ኣፍሪቃ ክትላለ ክኢላ ምህላዋ ወሲኹ ይሕብር።

ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ሽርክነት ዕቃቤታት ዘለዎም ወገናት ግን ኣይተሳእኑን። ነቲ ኣብ 2019 ኣብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ፡ ዳርጋ ኵላተን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈረማሉ፡ ናጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ ክሃሲ ከም ዝኽእል ከኣ ይምጕቱ።

XS
SM
MD
LG