ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ፈላማይ ናይ ስራሕ መዓልቶም ንሃገራዊ ወፍሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምላሽ ዝህብ ምስ ክታበትን ምምርመራን ዝተተሓሓዙ ብርክት ዝበሉ ምምሕዳራዊ መምርሕታት ዘርጊሖም ።
ከምኡ'ውን ምምሕዳሮም ናብ ትካል ጥዕና ዓለም ምምላሱን ንድኻ ሃገራት ሓዊሱ ክታበታት ኮረና ቫይረስ ፍትሓዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምብፃሕ ዘተሓባብር ዓለምለኸ ርእሰ ተበግሶ ንዘለዎ ኮቫክስ (COVAX) ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ ።