ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ክታበት ፋይዘርን ባይንተክን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተባህለ ሙቐት ንላዕሊ ንዝነውሐ ግዜ ክኽዘን ይኽእል`ዩ ኢሉ

ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ክታበት ፋይዘርን ባይንተክን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተባህለ ሙቐት ንላዕሊ ንዝነውሐ ግዜ ክኽዘን ይኽእል`ዩ ኢሉ ።

ኤፍ ዲ ኤ ከምዝበሎ፡ እቲ ክታበት ኣብ ልሙድ (መዝሓሊ)ረፍሪጀረተር ክሳብ ሓደ ወርሒ ክጸንሕ ይኽእል`ዩ። ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ግዜ ንሓሙሽተ መዓልታት ጥራሕ`ዩ ኔሩ።

ቅድሚ ሎሚ`ውን ትካል መድሃኒት ኤውሮጳ ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ ኔሩ`ዩ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ላዕላዋይ ክኢላ ተላገብቲ ሓማማት ኣሜሪካ ዶ/ር ኣንተኒ ፋውቺ፡ ክታበት ኮቪድ ዝወድኡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ዓመት ሓደ መሓየሊ ክታበት ክወስዱ ከድልዮም ይኽእል`ዩ ይብል ኣሎ።

XS
SM
MD
LG