ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕያሽ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዘንበሮ ጽልዋን


ምምሕያሽ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዘንበሮ ጽልዋን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:40 0:00

ምምሕያሽ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዘንበሮ ጽልዋን

ቀንዲ ተረባሕቲ ማሕበራዊ መራኸቢ (ሶሻል ሚድያ) መን እዮም? ናይ ኣመሪካ ዲሞክራሲ ንምድሓን ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ መፋርቕ 2000 ክዕምብብ ከሎ ሓደ ዝፀሓፎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ካልእ ሰብ መሊሱ ክልእኾ ከሎ ብናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣፀዋውዓ ሪትዊት ክገብሮ ከሎ፣መልእኽትታት ከካፍል ከሎ፣ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝልጠፉ ፅሑፋትን መልእኽትታትን ደገፉ ወይ ፍትወቱ ክገልፅ ከሎ ተራ ዜጋታት ርእይቶታቶም ብዕምቆትን ብስፍሓትን ናይ ምክፋል ሓይሊ ዝህብ ይመስል ነይሩ።እቲ ፀገም ግን ብመሰረት ክኢላ ማሕበራዊ ስነ ኣእምሮ ጆናታን ሃይት ናይ ኦንላይን ማሕበራዊ ምትእስሳራት ከምቲ ብዙሓት ዝሓሰቡዎ ንኹሉ ሰብ ድምፂ ክኸውን ኣይክኣለን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኒው ዮርክ ቤት ትምህርቲ ስተርን ቢዝነስ ፕሮፌሰር ዝኾነ ሃይት "ንተዓፃፃፋይነት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተበልፅሉ ኣርባዕተ ጉጅለታት እዩ ኣገቢሉዎም።እዚኦም ድማ ርሑቕ የማናይ፣ርሑቕ ፀጋማይ፣ኮነ ኢሎም ንዘጥቕዑ ወይ ዝፃረፉን ስለያ ሩሲያን እዮም’’ ይብል ።

ሃይት "ስለዚ እዞም ኣርባዕተ ጉጅለታት ንሓድሽ ተዓፃፃፋይ ትዊተር፣ፌስቡክን ካልኦት መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያን ብምጥቃም ካብ 2009 ጀሚሩ ፅቡቕ ግዜ የስተማቕሩ ኣለው።ኣብዚ ግዜ እቶም ማእኸለዎት 80% እታ ሃገር ምፍርራሕን መጥቓዕትን ይፍፀሞም ከምዘሎ ስለ ዝስምዖም ተስፋ ብምቑራፅን ብምፅያፍን ብዙሕ ኣይዛረቡን’’ይብል።

ብመሰረት ፕሮፌሰር ሃይት ዓወት ዲሞክራሲ ብሓፈሻ ብፅኑዓት ትካላት፣ናይ ሓባር ታሪኽን ‘ብዝለዓለ ደረጃታት ምትእምማን’ ዝተጠቕለለ ሰፊሕ ማሕበራዊ መርበባትን ዝተኣሳሰሩ እዮም።ንኩሎም ሰለስቲኦም ግን ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዳኺሙዎም ይርከብ ።

ሃይት "ኣብ መጀመርታ 2010 ዝተኸፋፈለ ዴሞክራሲ ጥራሕ እዩ ነይሩና።እቲ ንቡር ሎሚ ኣብ ኩሉ ናብ ዝካየድ ዙሪያ መለሽ ኲናት ተቐይሩ ኣሎ’’ ይብል።

XS
SM
MD
LG