ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምሕደራ ማይ ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ከም መፍትሒ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና’ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ


ኣብ ማይን ጽርየቱን ዝነጥፍ ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃ (UN-Water) ምሕደራ ማይ ነቲ ኣብ ዓለማዊ ዋዒ ኣበርክቶ ዘለዎ ‘ምልቃቕ ጋዝ ናብ ኣየር’ ዝዋሃቦ ትርጉም ይሓላልኾ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሪፖርታት ሕ/ሃ ኣብ ዓለምና ካብ ዘጓንፉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፣ እቶም 90 ሚእታዊ መበገሲኦም ማይ’ዩ። ውሕጅ፣ ብርቱዕ ዝናብ፣ ነውጺ ሓዊን ደርቂን ካልኦትን ምስ ማይ ዝተሓሓዙ ምዕባለታትን ንሞት ዓሰርተታት ኣሻሓትን ቁጠባዊ ዕንወታትን ተደማሚሩ፣ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላራት ኪሳራ ኣብ ምስዓብ ይርከብ።

ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ዳንየላ ቦስትሮም ‘ምሕደራ ማይ ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ከም መፍትሒ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና’ ትብል። እንተኾነ እዞም ኣንፈት ፍታሓት ሸለል ከምዝባሃሉ ትጠቅስ።

“ብቀሊሉ ዝርከብ ሃብቲ ስለዝኾነ ማይ ፖለቲካዊ ቆላሕታ ይረክብ የለን። እዚ ጉዳይ መንግስታዊን ፖለቲካዊን ትኹረት ረኺቡ ክንሪኢ ድልየትና’ዩ።”

ኣብ’ዚ ቀረባ ንማይ ዝምልከት ዝወጸ ሪፖርት ሕ/ሃ፣ ክሊማዊ ለውጢን ማይን ኣዋሃሂድካ ንምጥቃም ዝጠቅስ ስትራተጂ ኣብ ምትግባሩ ዝሕብሩ ውጥናት ሒዙ’ሎ። ገለ ካብ’ቶም መደባት ‘ሓምላይ መደባት’ ምትእትታው ከምኡውን ‘ይጠፍኡ ዘለው ጠሊ ዝበዝሖም ከባቢታት’ ምዕቃብን ዝብሉ’ዮም።

“ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ንናይ ዓለምና 3% ስፍራ ይሽፍኑ። ከምኡ ኮይኑ’ውን ክልተ ዕጽፊ ዱራት ዓለምና ካብ ዝሕዝዎ ካርበን ይዓቑሩ። ስለዚ ነዞም ከባቢታት ብምዕቃብ፣ ንጽልዋ ለውጢ ኣየር ምንካይ ይካኣል።”

ሪፖርት ማይ ሕ/ሃ ዝልቀቑ ጎዳእቲ ትኪ፣ መጠን ማይ ብምውሳኽን ብምዕቃብን ምቁጽጻር ከምዝካኣል ይሕብር። 123 ሃገራት ማይ ብምዕቛር፣ ሩባታትን ባዓቲታትን ብምሕላው ን40 ሚእታዊ ህዝቢ ዓለም ዝረብሕ ስራሕ ይዓያ ከምዘለዋ ገሊጹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG