ዋሽንግተን —
ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ፍጹም ኣረጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ናይ ተለፎን ርክብ ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን እቲ ምሕዝነት እናተመሓየሸ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ።
ኣምባሳደር ፍጹም ኣተሓሒዙ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ናጻ ቐረጽ ዕድል ዝህብ ኣጎዋ ድሕሪ ምውጽኣ ዘሎ ብድሆታት ዝጠቐሰ ክኸውን ከሎ፡ ብኻልእ ወገን ሓገዝ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዳግም ቀጺሉ`ሎ መንግስቲ ድማ እቲ ማዕቀብ ክልዓል ንዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራ፡ እታ ሃገር ዳግም ክትንስእን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ምሕዝነት ክመሓየሽን ልዑል ኣበርክቶ ምግባሮም`ውን ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ ጠቒሱ`ሎ።