ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣብ ለንደን ዝተቓነዐ ጉባኤ


ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ኤርትራዊያንን ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደሱ ወጻእተኛታትን ምሁራትን ዝተኻፈልሉ ጉባኤ ኣብ ከተማ ለንደን ሴነት ሃውስ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ተኻይዱ።

እቲ ብምትሕብባር ‘ኤርትርያ ፎካስ’ ዝተባህለ ምትእኽካብ ሲቪክን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝግደሱ ውልቀሰባትን ማሕበር ምስ ኢንስትዩት መጽናዕቲ ኮመንወልዝ ዝተዳለወ ጉባኤ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዳህሰሰን ክመጽእ ንዝክእል ዝበልዎ ለውጢ ተዳሊኻ ንምጽናሕ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ብድሆታት ኣለሊኻ ንምስራሕን ምዃኑ ኣዳለውትን ተሳተፍቲን’ቲ ጉባኤ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብቲ ኣኼባ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ቀሪቦም ልዝብ ከምዝተኻየደሎ’ውን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣብ ለንደን ዝተቓነዐ ጉባኤ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:09 0:00

XS
SM
MD
LG