ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሁራን ዴኢህዴን ንሕቶ ክልል ዝምልከት ዘዳለዎ መጽናዕታዊ ሰነድ ዘትዮምሉ


ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ዝመወሎን ንምክላል ዝምልከት መፅናዕታዊ ሰነድ ምሁራን ተዘትይሉ።እቲ መፅናዕቲ ደቡብ ክልል ሓደ ኮይኑ ክቕፅል ዝሓሸ መማረፂ ምዃኑ ይጠቅስ።ወይኸአ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ኣብ ዝበፅሓ ሓደሽቲ ክልላት ክኽፈል እውን ከም ካልኣይ መማረፂ ቀሪቡ’ሎ።እቲ ናይ ምሁራን ሰነድ ሳልሳይ መማረፂ እውን ኣቕሪቡ’ሎ።

ልዕሊ 20 ሚሊዮን ህዝቢ፣21 ዞባታት፣ሰለስተ ፍሉይ ወረዳታትን፣209 ወረዳታት ኣብ ዝሓቖፈ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ይልዓሉ ዘለው ሕቶታት መፃኢ ኩነታት ንጹር ከይኸውን ገይሮም’ዮም።

ካብ 21 ዞባታት እተን 10 ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።ገዛኢ ፓርቲ እቲ ክልል ዝኾነ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ/ዴኢህዴን/ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ኣፅኒዐዮ ዝበሎ ሰነድ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።

20 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምሁራን ድልየት ነበርቲ ናይቲ ክልልን ካልኦት ኩነታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ዝበሉዎ ሰለስተ መማረፂታት ኣቕሪቡ’ሎ።ቀዳማይን ዝሓሸን ዝበሉዎ ክልል ደቡብ በቲ ሕጂ ዘለዎ ክቕፅል ምግባር እዩ።ካልኣይ መማረፂ ኣብ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ሓደሽቲ ክልላት ምምቃል ዝብል ክኸውን ከሎ ሳልሳይ መማረፂ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይታ ሃገር ክሳብ ዝረጋጋእ እቲ ሕቶ ክፀንሕ ምግባር ዝብል እዩ።

ምሁራን ንውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ ርእይቶ ሂቦምሉ ኣለው።መራሒ ኢዜማ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ፖለቲካዊ ውሳነ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ናይቲ መፅናዕቲ ፋይዳ ግልፂ ኣይኮነን ይብሉ ።

“እቲ ውድብ ሲዳማ ክልል ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለዝወሰነ ናብ ቅልውላው ኣቲና ኣለና።እዚ መፅናዕቲ ንፖሊሲ እታዎት ዝውዕል እንተኾይኑ ኣብቲ ውድብ ወይ ሕብረተሰብ ግንዛበ ምስተፈጥረ ክወፅእ ነይሩዎ።ነዊሕ ሳዕቤን ዘለዎ ውሳነ ምስ ተውሃበ፣ህዝቢ ምስተራፀመ፣ብዙሕ ደም ሰብ ምስ ፈሰሰ፣ብዙሕ ንብረት ምስ ዓነወ ሕጂ ኣብዚ መፅናዕቲ ንዘራርበሉ ምኽንያት ንፁር ኣይኮነን።”

ምኽትል ኣደ ወንበር ናይቲ ዘፅንዐ ጉጅለን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዴኢህዴንን ዶ/ር ኤርጎጌ ተስፋየ ከምዚ ክብላ መልሲ ሂበን።

“ስቕ ኢልና ንምዝርራብ ጥራሕ ኣይኮናን ንዛተየሉ ዘለና።ምሁራን ተዘራሪቦምሉ ንምባል እውን ኣይኮነን።እቲ መፅናዕቲ ሒዙዎ ዝመፀ ውፅኢት ኣሎ። ንምውሳን ግን እዚ ምይይጥ ጠቓሚ እዩ፤ካብዚ ንወስዶ እታዎት ኣሎ ዝብል እዩ።”

ኣማኻሪ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝኾኑን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ርእይቶም ብምሃብ ዝፍለጡን ዶ/ር ኤርሲዶ ሌንደቦ ደቡብ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ክልላት ምኽፋል ዝሓሸ መማረፂ እዩ ይብሉ።

“ደቡብ ከም ሓደ ክልል ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ናይ መጀመሪያ ምርጫ ዝክኣል ኣይመስለንን።ምኽንያቱ ዞባ ሲዳማ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ቦርድ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ህዝበ ውሳነ ክካይድ እዩ ኢሉ ወሲኑ’ሎ።ስለዚ ደቡብ ሓደ ክልል ጌርኻ ንምቕፅል ዝክኣል ኣይመስለንን።”

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ክልል ደቡብ 22 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ዝገለፁ ዶ/ር ኤርሲዶ ኣብ ሓደ ክልል ክኾኑ ፅቡቕ ኣይኮነን፤ናብ ዘይምእኹል ኣወዳድባ ክቕየር ኣለዎ ኢሎም።

ዲፕሎማት ብምዃን ብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ብወገኖም ደቡብ በቲ ሕጂ ዘለዎ ክቕፅል ዝሓሸ መማረፂ እዩ ኢሎም።

“እንተተኻኢሉ እቲ ቐዳማይ ምርጫ እየ ዝድግፎ።ዓብዪ ምዃን ረብሓ ኣለዎ።ስለምንታይ ይመስለካ ቻይና ፅልውኣ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ?ብቁጠባ ይኹን ብዝሒ ህዝቢ ዓባይ ስለዝኾነት እዩ።ኣሜሪካ ስለምንታይ እያ ንዓለም ትገዝእ ዘላ?በብዝሒ ህዝቢ ይኹን ብቁጠባ ዓባይ ስለዝኾነት እዩ።ንእሽተይ እንተኾይንኻ ዝሰምዐካ የለን፤ንእሽተይ ኢኻ።ረብሓ ንዘይብሉ ንምንታይ ኢኻ ትንእስ?”

ኣምባሳደር ጥሩነህ ብምስዓብ ንኢስካ ምርካብ ረብሓ ከምፅእ ኣይርኣኹን ኢሎም።ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል መንግስቲ ገንዘብ ዘከፋፍል በብዝሒ ህዝብን መጠን ድኽነትን ስለዝኾነ ንእሽተይ ክልል ብምዃን ዘምፅኦ ረብሓ ኣይረኣየንን ኢሎም።

እተን ክልላት ብዝበልፀ ስልጣን ተወሂቡወን ባዕለን ሓሲበንን ተሊመንን ክሰራሓን ነንባዕለን ክወዳደራን እየ ዝደልይ፤ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብዝተቐመጠ መሰረት ስልጣን ናብ ዞባን ወረዳን ክወርድን ኣብ ክልል ዝስራሕ ኣብ ዞባታት ክፍፀም ኣለዎ ኢሎም።

ሕገ መንግስትን ኣብታ ሃገር ዘሎ ፌደራሊዝምን ናይቲ ፀገም ምንጪ እዮም ዝበሉ ተሳተፍቲ እውን ርእይትኦም ሂቦም ኣለው።

ዞባ ሲዳማ፣ከተማ ሃዋሳ ከምኡ እውን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ጉራጌን ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዘይትሓወሳ ተፈሊጡ’ሎ።ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ካብቶም ከባቢታት ስምዒቶም ከምዝተነፀባረቐ ተገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG