ዋሽንግተን —
ኣብ ሜክሲኮ ቲኋና ዝተባህለ ከባቢ ዝርከቡ ስድራ ዝጠፍኡዎም አባላት ስድረኦም ክደልዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ይተኣኻኸቡ ። እቲ ዝኸፍአ ከጋጥም ይኽእል እዩ ብዝብል ድማ ንመሳለጥያ ዝሕግዝዎም ከም ኣባትር ባዴላን ካልኦት መሳርሕታትን ተጠቂሞም ኣብቲ ኸባቢ ድሕሪ ምብፃሖም ደሃዮም ካብ ዝሰምዑ ነዊሕ ዓመታት ዘቁ፟ፀሩ ስድረኦም ይደልዩ።