ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሜሪላንድ: ኣብ ናይ ሓደ ጋዜጣ ቤት ጽሕፈት ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከተማ ኣናፖሊስ ሜሪላንድ ኣብ ናይ ሓደ ጋዜጣ ቤት ጽሕፈት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 4 ጋዜጠኛታትን ሓደ ካልእ ሰራሕተኛ’ቲ ቤት ጽሕፈት ተቀቲሎም።

እዚ መጥቓዕቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገርን መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ጉዳይ “ፌክ ኒውስ” ወይ ናይ ሓሶት ዜና ብዙሕ ክትዓት ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብምግጣሙ ፖሊስ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሃን ሓለዋ ጸጥታ ክሕይል ኣዚዞም ኣለው።

ፖሊስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ካፒታል ጋዜጥ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣብ መወዳእታ ሰላሳታት ዕድመ ዘለዎ ጃሬድ ራሞስ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሮም ኣለው።

ናይታ ከተማ ሓላፊ ፖሊስ ዊልያም ራምፍ “እዚ ውልቀሰብ ተዳልዩ’ዩ መጺኡ ሰባት ንምቅታል ተዳልዩ’ዩ መጺኡ” ኢሎም ኣለው።

ብዛዕባ’ቲ ዝቅጽል ዘሎ መርመራ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

XS
SM
MD
LG