ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይንማር: ደገፍቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ዕልዋ ዝቓወሙ ሰልፈኛታት ኣጥቒዖም


ፖለቲካዊ ቅልውላው ማይንማር ሎሚ ሓሙስ ሓዲሽ ባህሪይ ሒዙ ውዒሉ- ደገፍቲ`ቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቶም ነቲ ዕልዋ ንምቅዋም ሰልፊ ዝወጹ ኣጥቂዖሞም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቲ`ቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ዋና ጎደናታት`ታ ርእሰ ከተማ ክምርሹ ከለዉ- ነቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሕዎም ተቓወምቲ ዕልዋ ሓሓሊፎም ከምዘጥቅዕዎም`ዩ ዝወጸ ቪድዮታት የርእይ።

ኣብ መላእ ማይንማር ነቲ ዕልዋ ዝቃወም ሰልፍታት ዳርጋ በብመዓልቱ ክካየድ ቀንዩ`ሎ ።ብሳዕቤን`ቲ መዓልታዊ ሰልፊ- ዛጊት ሰለስተ ሰባት ሙሟቶም ይግለጽ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ማይንማር ዝሓለፈ ባሕቲ ለካቲት ዕልዋ ብምግባር ነታ መራሒት ኣውንግ-ሳሱኪን ካልኦት ኣባላት መንግስቲን ምእሳሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG