ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይንማር: ኣንግ ሳን ሱቺ ብጥሕሰት መምርሒታት ኮቪድ19 ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ


ኣንግ ሳን ሱቺ
ኣንግ ሳን ሱቺ

ካብ መዝነታ ብወተሃደራዊ ጕጅለ ዝተኣልየት፡ መራሒት ማይንማር ነበር፡ ኣንግ ሳን ሱቺ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ መጋብኣያ ብጥሕሰት መምርሒታት ኮቪድ19 ንኣርባዕተ ዓመት ክትፍረድ ተበዪኑላ። እቲ ኣብ ዕጹው መጋብኣያ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ፍርዲ ግን ጸኒሑ ነቲ ፍርዲ ናብ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዘውረዶ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣንግ ሳን ሱቺ ካብ መዝነታ ድሕሪ ምእላያ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ።

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቸል ባችለት እቲ ዝተኻየደ ፍርዳዊ መስርሕ ንዓለማዊ ኣገባባት ዝጥሕስን ኣዝዩ ዘሕዝን ተርእዮን ክትብል ገሊጻቶ። እታ ላዕለዎይቲ ኮሚሽነር ወሲኻ ቤት ጽሕፈቶም ነቲ ፍርዲ ፍጹም ከም ዝነጽጎ ሓቢራ።

ኣብ 1991 ሽልማት ሰላም ኖበል ዝተቐበለት ኣንግ ሳን ሱ ቺ፡ ካብ 1989 ክሳብ 2010 ን15 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ማእሰርቲ’ያ ጸኒሓ።

ኣቐዲማ ከም መሪሕ ኣብነት ቃልሲ ንደሞክራሲ እትርአ ዝነበረ መራሒት ግን ኣብ 2016፡2017 ኣብ ማይንማር ድሕሪ ዝተራእየ ጃምላዊ ቅትለት ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝዀኑ ሮሂንጋ፡ እቲ ዝነበራ ክብሪ ክቕንስ ተራእዩ።

ካብ መዝነቱ ዝተኣልየን ኣባል ሰልፊ ሃገራዊ ግንባር ደሞክራሲን ዝዀነ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ዊን ምዪንት’ውን ኣብቲ ትማሊ ሶኑይ ዝወዓለ መጋባእያ ንኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG