ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ሰ/ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ሕውየት ምርኣየን ኣፍሊጡ


ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ(IMF)
ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ(IMF)

ቁጠባ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ 2022 ሕውየት ከምዘርኣየ፡ እንተኾነ፡ ድርብ ዲጂት ዝቕባበ ንዝመጽእ ዓመት ነቲ ዕብየት ከዝሕሎ ከምዝኽእል ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ(IMF) ይገልጽ።

እቲ ትካል ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ ትንበያ፡ እተን ሃገራት ኣብ 2022 ብ5% ከምዝዓበያ እተን ነዳዲ ዘፍርያ ብፍላይ ከኣ ብ5.2% ዕብየት ከምዘርኣያ ኣፍሊጡ`ሎ። ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ሩስያ ነዳዲ ምግዛእ ገዲፈን ካልእ ኣመራጺ ከናድያ ምስ ጀመራ ድማ እተን ካልኦት ሃገራት ክርብሓ ከምዝኽኣላ እቲ ትንበያ ይገልጽ።

እንተኾነ ዝቕባበ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመታት ኣብ 2023`ውን ድርብ ዲጂት ኮይኑ ከምዝቕጽል ንሱ ድማ ናህሪ ዋጋ መግብን ካልእ ቀረባትን ዘስዓቦ ምዃኑ ተጠቒሱ`ሎ።

ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ልዑል ናህሪ ዋጋ መግብን ዘመናዊ ድኹዕን ከቢድ ጸገም ውሕስነት መግቢ ከስዕብ ይኽእል`ዩ፡ ንሱ ድማ ናብ ማሕበራዊ ዕግርግር ከምርሕ ይኽእልዩ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG