ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ፥ ንናይ ውሸባ መዓልታት ኮቪድ ክሓጽር ከምዝክእል ገሊጹ


ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ፥ ንናይ ውሸባ መዓልታት ከሕጽሮ ይሓስብ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ መምርሒ ንቫይረስ ኮሮና ዝተቓልዐ ሰብ ን14 መዓልታት ክውሸብ ወይ ክግለል ዝብል ኮይኑ፥ ሕጂ ግን እቲ ሰብ ተወሺቡ ከሎ ነጋቲቨ እንተኾይኑ እቲ ግዜ ክሓጽር ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ- ናብ ክንደይ ከም ዝሓጽር ግን ገና ኣየነጸረን።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ዝሓለፈሉ እዋን፥ ንቀዳማይ ዙርያ ንምክፍፋል ይዳሎ`ሎ ።

ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ንክታበት ፋይዘር ህጹጽ ተቐባልነት ዝህቦ እንተኾይኑ ዝመጽእ ታሕሳስ ክውስን`ዩ። ኣሜሪካ ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ 40 ሚልየን ዶዝ ወይ ዓቐን ክታበት ክተከፋፍል ትዳሎ`ላ።

ፋይዘርን ሞደርናን ዝተባህላ ካምፓንታት መድሃኒት፥ ፈተነ ክታበተን ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ከምዘሎ ይሕብራ`ለዋ`የን።

ኣሜሪካ ብቑጽሪ መትሓዝቲ ኮቪድ 19 ምምርሓ ቀጺላ`ላ- ንመዓልቲ ክሳብ 170 ሺሕ ከምዝተሓዙ`ውን ይግለጽ።

ካናዳ`ውን ካብዚ ቐረባ እዋን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ብዕጽፊ ምውሳኹ ትገልጽ ኣላ።

ጽባሕ ሓሙስ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ፥ መዓልቲ ምስጋና ኣብ ዝኽበረሉ እዋን፥ ሰባት ነቲ በዓል ኣብ ዘኽብርሉ እዋን፥ ካብ ተወሳኺ መትሓዝቲ ክጥንቀቑ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ (ሲዲሲ) መኺሩ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ንበዓላት ልደት ኣብ ግምት ብምእታው ንገለ ገደባት ክፍኩሳ መዲበን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ካብ ዝመጽእ ሰንበት ጀሚሩ ተዓጽየን ዝነበራ ድኳናት ክኽፈታን፥ ኣብ ገዛ ተዓዝዮም ዝነበሩ`ውን ክወጹ ከምዝኽእሉን ኣፍሊጡ`ሎ።

ፕረዚደንት ማክሮን`ብዘይ ገደብ ክንዛወር ክንገይሽን፥ ክሪስማስና ምስ ቤተሰብ ክነሕልፍን ተፈቒዱ`ሎ` ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG