ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከላይ ኮሚተ ህውሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረአ ዘይምርግጋእ ተሓታቲ ኢህወዲግ ' ዩ ኢሉ


ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዝተፈጠረ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋዕን ተሓታቲ ኣመራርሓ ኢህወደግ እዩ ኢሉ።

እቲ ማእከላዊ ኮሚቴ ኣብ ከተማ መቐለ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ጠሚቱ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመራርሓ እቲ ግንባር ካብ እምነትን ፕሮግራምን እቲ ውድብ ወፃኢ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ብተወሳኺ ኢህወደግ ውሁድ ፓርቲ ክኸውን እዩ ብዛዕባ ዝባሃል ኣባላት እቲ ግንባር ዝኾኑ ውድባት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ይኸዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዘይሕሰብ እዩ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG