ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማራቶን ኣስመራ 2019 ብዓወት ኤርትራዊ መሓሪ ጸጋይ ተዛዚሙ


ማራቶን ኣስመራ 2019 ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተኻይዱ።ኣብዚ ኣህጉራዊ መለክዒ ብዘማልአ ኣገባብ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዊ ኣትለት መሓሪ ጸጋይ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት 6 ሽሕ ዶላር ተሽሊሙ።ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ኣሰፋን ኤርትራዊ ፔትሮ ማሞን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ናይ 4 ሽሕን 2 ሽሕን ዶላር ተሽሊሞም።

ኣትለት መሓሪ ጸጋይ ናይ ሃገራዊ ናይ ማራቶን ሰዓት ብ3 ደቒቕ ብምምሕያሽ’ዩ ውድድሩ ዛዚሙ በዚ ከኣ 2፡15፡14 ብምእታው ዝበለጸ ሰዓት ኣመዝጊቡ’ሎ።

ኣብቲ ኤርትራውያን ኣትለታት ጥራይ ዝተሳተፍኦ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ማራቶን ውድድር፡ ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋታ 40ሽሕ ናቕፋ ተሸሊማ።ኮኾብ ተስፋጋብር ካልኣይቲ ስምረት መርሃዊ ድማ ሳልሳይቲ ብምዃን ናይ 20ሽሕን 10ሽሕን ናቕፋ ተሸሊመን።

ኣብዚ ውድድር ካብ ሃገራት ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ ተወዳደርቲ ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ማራቶን ኣስመራ 2019 ብዓወት ኤርትራዊ መሓሪ ጸጋይ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

XS
SM
MD
LG