ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ግዳያት ጸረ ግብረ ሽበራ አዲስ አበባ እሱራት ተገዲዶም ዝሃብዎ ቃልን አሰር አጻብዕቲን ክስረዘሎም ሓቲቱ


ፋይል

ማሕበር ግዳያት ጸረ ግብረ ሽበራ አዲስ አበባ ኣብ ማእከላዊ ገበን ምርመራ ተአሲሮም ከለው ተገዲዶም ዝሃብዎ ቃልን አሰር አጻብዕትን ዝአመሰሉን ሰነዳት ብወግዒ ክስረዘሎም ሓቲቱ።

ተአሲሮም ከለው ዝተወስዶምን ብመርአያ ዝተታሕዘ ንብረቶም’ውን ክምለሰሎም እቲ ማሕበር ሓቲቱ’ሎ።

እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ አዲስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ብ 300 ዝኾኑ አባላት ዝተመስረተ ማሕበር ንዝሓለፈ 14 ኣዋርሕ ኣብ ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ዘቕረቦ ሕቶታት ምላሽ አይረኸበን ኢሉ’ሎ።

ካብቶም ኣቅሪብናዮም ዝበልዎም ቀንዲ ሕቶታት አተሓባባሪ’ቲ ኮሚቴ’ቲ ማሕበር ኣቶ ዳርሰማ ሶሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG