ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ኣስተርጎምቲ ቋንቋ ምልክት ዞባ ዓንሰባ ጸገማት ጽሙማን ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ


ማሕበር ኣስተርጎምቲ ቋንቋ ምልክት ዞባ ዓንሰባ፥ስልጠና ቋንቋ ምልክት ብምስፋሕ ጽሙማን ስሉጥ ኣገልግሎት ከምዝረኽቡ ንምግባር ግብራዊ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣባላቱ ን ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብ ፈለማ 2019 ነዚ ማሕበር ከም ዝመስረተዎ ዝጠቐሱ መም/ዮናስ ሙሳን መንእሰይ ሃሩን ሓሰንን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሰርሑ መንእሰያት ስልጠና ቋንቋ ምልክት ወሲዶም ኣብ ምሕጋዝ ጽሙማን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ጸገማት ጽሙማን ንምፍታሕ ድሕሪ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡መባእታዊ ምምሃሪ መጽሓፍን ቪድዮታትን ከምእተዳለወ መምህር ዮናስ ኣረዲኡ።ብርክት ዝበሉ መምህራን ቋንቋ ምልክት ብምፍራይ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ንምስፋሕን ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ንምብጻሕን ናይ መጻኢ መደብ ማሕበር ኣስተርጎምቲ ቋንቋ ምልክትን ማሕበር ጽሙማን ኤርትራን ከምዝኾነ’ውን ሓቢሮም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG