ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 9 ቢልዮን ብር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ


ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ሓገዝ ንምሃብ ትሽዓተ ቢሊዮን ብር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።ማሕበር ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ን ቀይሕ ወርሕን ንተመሳሳሊ ሓገዝ ኣስታት 1.2 ቢሊዮን ብር ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድማ ኣስታት ክልተ ቢሊዮን ብር ሓገዝ ሓቲቶም ኣለው።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀን ፌደረሽን ቀይሕ ወርሕን ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ ኣብ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ጅቡቲን ኣብ ቀረባ ብሰንኪ ዝተኸሰቱ ዘይምርግግኣት ይገብሩዎ ዘለው ፃዕሪ ገሊፆም ኣለው።

ፕረዚደንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣቶ ኣበራ ቶላን ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪት ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ካቲያ ሶሪን ኣብ ክልል ትግራይ ቀንዲ መንገድታት ስዒብካ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገብሩ ከምዘለው ብምሕባር ብሰንኪ ፀጥታ ካብ መንገዲ ወፃኢ ናብ ገጠር ምብፃሕ ከምዘይክኣሉ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG