ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተፈናቀልቲ ሓገዝ ይልገስ ምህላው ተሓቢሩ


ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝተፈናቀሉ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈላለዩ ድጋፋት ይልግስ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር፣ መቐለ ንዝርከቡ ተፈናቀልቲ፣ ጊዚኡ ዝሓለፎ ዘይትን ስርናይን ኣቅሪቡሎም ዝብል ዝተቃለሐ ወቀሳ መሰረት ዘይብሉ ከምዝበሎ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ’ቲ ማሕበር ዶ/ር ሰለሞን ዓሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ "ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዝተፈላለዩ ከባቢታትን፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ይሕግዝ ኣሎ" ኢሎም።

ድምጺ ኣሜሪካ ዝሓለፈ ቅነ ዘዘራረቦም ኣብ ማይ ዓይኒ ዘጽለሉ ተፈናቀልቲ "ቀይሕ መስቀል፣ ጊዚኡ ዝሓለፎ ስርናይን ዘይትን ኣቅሪቡልና ኣይንቅበልን ኢልና" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

ዶ/ር ሰሎሞን ግና "ኣፍረይቲ ስርናይ’ታ ሃገር፣ ንጊዚኡ ዝሓለፎ መሐሸጊ ሓዲሱ ዝሕትም ዘመናዊ ኣሰራርሓ ስለዘይብሎም ከምዝኾነን፣ እቲ ዝቀረበ ስርናይን ዘይትን ናይ መጠቀሚ ጊዜ ዘይሓለፎ እዩ" ክብሉ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG