ኣስመራ —
ማሕበር ምትብባዕ ፈጠራውነት ኤርትራ ቀዳም 20 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ኮንፈደራሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ብወግዒ ተመስሪቱ።
ንማሕበር ምትብባዕ ፈጠራውነት ንምምስራት ብንጥፈት ካብ ዝተዋስኡን ዝሰርሑን ኣባላት ናይዛ ማሕበር ምስ ዝኾነ ኣቶ ሳሚኤል ገ/ኣዶናይን ንጡፍ ኣባል ናይዛ ማሕበርን ምስ ዝኾነ ሰናይ ዳኒኤል ስምረትን ንኣገዳስነትን ምምስራት ናይዚ ማህበርን ንጥፈታቱን ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።