ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ንተጠቐምቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጤራ ከምዘዳልው ኣፍሊጡ


ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ልዕሊ 2 ቢልዮን ተጠቐምቱ ናቱ ዝኾነ ባጤራ ከምዘዳልው ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ትካል እቲ ባጤራ ነቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ ‘ቢትኮን’ ዝተባህለ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝመሳሰል ብምዃኑ ኣብ ኢንተርነት ዝካየድ ንግዲን ኣብ ፌስቡክ ዝካየድ ናይ መወዓውዒ ኣገልግሎት ዓብይ ኣበርኽቶ ከምዝሕልዎ ሓቢሩ’ሎ።

ፌስ ቡክ ምስ ከም ፔይፓል፡ኡበር፡ስፖቲፋይ፡ቪዛን ማስተርካርድን ብምዃን ዘዳልዎ ዘሎ ባጤራ ንኩነታት ኣብ ጸገም ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝሓላልኽ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ፌስቡክ ብጉዳይ ብሕታዊነት/ምስጢራዊነት ካብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ምርመራ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ፌስቡክ ነቲ 'ሊብራ' ዝተባህለ ባጤራ ኣብ ውሽጢ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ክጅምር ከምዝወጠነ ይገልጽ። ሰበ ስልጣን’ቲ ትካል ሊብራ ነቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ገንዘብ ኣብ ምስግጋር ዝኽፈል ዝነበረ ክፍሊት ከምዘጉድል ይገልጹ። ናይ ባንክ ሒሳብ ኮነ ክሬድት ካርድ ንዘይብሎም ተጠቐምቲ’ውን ኣብ ኢንተርነት ክዕድጉ ከምዘክእሎም ሰበ ስልጣን ፌስቡክ የረድኡ።

ዋጋ ሊብራ ድማ ኣብዓለም ተገልገልቲ ምስ ዝጥቐሙሎም ባጤራታት ዝመዓራረይ ፍሉጥ ሸርፊ ከምሕልዎ ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG