ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ርክብ ዘለዎም ገጻት ምዕጻው ገሊጹ


ማሕበራዊ መራከቢ ብዙሃን ፌስቡክ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ርክብ ኣለዎም ንዝበሎ ገጻት ምዕጻው ገሊጹ። እቲ ትካል ነዚ ዝገለጸ እተን ገጻት ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኡጋንዳ ርእይቶ ሰባት ንምጽላው ይጥቐምሉ ኣለው ብምባል ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።


ፌስ ቡክ እተን ዝተዓጸዋ ገጻት ምስ ሚኒስትሪ ሓበሬታን ሚኒስትሪ ኮሚኒኬሽን ቴክኖሎጂን ኡጋንዳ ዝተተሓሓዘ ምንባሩ ሓቢሩ'ሎ።

ፌስቡክ እቲ ሚኒስትሪ "ናይ ሓሶት ገጻት: ተደጋጋሚ ገጻት ብምጥቃም ርእይቶ ኣብ ምሃብ: ትሕዝቶ ዝያዳ ተበጻሕነት ክህልዎ ብምትሕልላፍ" ዝአመሰሉ ተግባራት ከካይድ ምጽንሑ ይሕብር።


ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኡጋንዳ ዶን ዋንያመ "ፌስቡክ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኡጋንዳ ምትእትታው የካይድ ኣሎ: ሰባት ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከረጋግጹ እንተደልዮም እዚ ሓደ ጭብጢ'ዩ" ምባሎም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ'ሎ።


ሃገራዊ ምርጫ ኡጋንዳ ዝመጽእ ሓሙስ ጥሪ 14,2021 ክካየድ'ዩ።

XS
SM
MD
LG