ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማልታ 249 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምድሓና ትገልጽ


ሓይልታት ማልታ 249 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 24 ምድሓኖም ኣፍሊጦም እቶም ስደተኛታት ብክልተ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ትማሊ ሶኑይ ምድሓኖም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዱ ሓይልታት ማልታ ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ብዝሒ ስደተኛታት ዝደሓንሉ ስርሒት ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ 49 ብክልተ ዘይመንግስታዊ መራኽብ ዝደሓኑ ስደተኛታት ማልታን ኢጣልያን ክቕበልኦም ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ንመዓልታት ኣብ ባሕሪ ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለው።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኩነታት ኣየርን ባሕሪ ከይተቐየረ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሕስ ቦታ ክውሰዱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG