ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማልታን ኢጣልያን ዘይተቐበልዎም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 78 ስደተኛታት ፈረንሳ ምእታዎም ተገሊጹ


ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ስጳኛ ኣብ ዝኣተወትሉ ጊዜ- ፋይል
ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ስጳኛ ኣብ ዝኣተወትሉ ጊዜ- ፋይል

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ኮይኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ትውነን መርከብ አኳይየርስ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኢጣልያን ማልታን ክቕበልዎም ፍቓደኛታት ብዘይምኳኖም ናብ ስጳኛ ድሕሪ ምውሳዶም ሎሚ ሓሙስ ፈረንሳ ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ እቶም ስደተኛታት ሓለዋ ዘድልዮም ብምኻኑ እቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ክሳብ ዝዛዘም ኣብ ደቡባዊምብራቕን ሰሜናዊ ፈረንሳ ዝርከብ መዕቆቢ ከምዝጸንሑ ሓቢሮም ኣለው።

ዝሓለፈ ወርሒ አኳየርስ ዝተባህለት ብዘይመንግስታዊ ትካል ትውነን መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነቶም 630 ስደተኛታት ኢጣልያን ማልታን ክቕበልኦም ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ናብ ስጳኛ ምኻዶም ይዝከር።

ፈረንሳ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣውሮጳ ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ውሑድ ቁጽሪ ስደተኛታት ክትቕበል ምጽንሓ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፖሊስ ከተማ ሮማ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ፍተሻ መንነት ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ መዓስከር ኣስታት 300 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝነብሩ ክኾኑ ከለው ዝበዝሑ ካብ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝወሃቦም መግቢ ዝናበሩ ምኳኖም ይሕበር።

ፖሊስ ፍተሻ መንነት ድሕሪ ምክያድ 35 ግቡእ መንነት ኣይጸንሖምን ዝበሎም ውልቀሰባት ምውሳዶም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዝሰርሑ ወለኝተኛታት ኢጣልያዊ ቫለሪኖ በቫሲቃ ኢጣልያ ነቶም ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ስደተኛታት ግቡእ ክትትል ክትገብር ከምዝግባእን በዚ ድማ ንመጻኢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት’ውን ክትከላሎ ከምትኽእል ይገልጹ።

ኣብቲ መዓስከር ንገለ ኣዋርሕ ክነብር ዝጸንሓ ቱኒዝያዊ መሓመድ በን ሰላም ብወገኑ ኣብ 2014 ዓ.ም ናብ ኢጣልያ ምስኣተው ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ተፈትሓ’ውን ጀርመን በጺሑ ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ናብ ኢጣልያ ከምዝተመልሰ ይገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ማትዮ ሳልቪኒ ምስ ናይ ጀርመንን ኣውስትራልያ መዘነ ኦም ብዛዕባ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝታይን መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ኣውስትራልያ ኣኼባ የካይዱ ኣለው።

XS
SM
MD
LG