ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ክታበት ሕማም ዓሶ ንህጻናት ከምትህብ ኣፍሊጣ


ማላዊ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ክታበት ሕማም ዓሶ ንህጻናት ከምትህብ ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

ማላዊ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ክታበት ሕማም ዓሶ ንህጻናት ከምትህብ ኣፍሊጣ

ማላዊ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ክታበት ሕማም ዓሶ ንህጻናት ምሃብ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ማላዊ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ዝኾነን ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ዘገልግልን ክታበት ሕማም ዓሶ ከቅርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ RTS ብዝብል ዝፍለጥ ካብ ዝመሃዝ 30 ዓመታት ዘቑጸረ ኽታበት ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላዊን ተፈቲኑ ብተዛማዲ ትሑት ውፅኢት ከምዘለዎ ዝተረጋገፀ እኳ እንተኾነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ጣንጡ ብእተስዕቦ ሕማም ዓሶ ንሞት ንዝሳጥሑ መብዛሕትኦም ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 400,000 ህይወት ኣፍሪካውቃን ግን ከትርፍ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ተገይሩሉ ይርከብ።

እቲ ኽታበት ኣብ ዝቅፅል ወርሒ ዝዛዘም ናይ ፈተነ መደብ ስዒቡ ክዝርጋሕ እዩ ትልሚ ተታሒዙሉ ዝርከብ። ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ዓመት ን360,000 ሕፃናት ማላዊ፣ ጋናን ኬንያን ክኸትብ ከሎ ካብዚኦም እቶም ሓደ ሲሶ አብ ማላዊ ዝርከቡ እዮም። ነዚ ኣመሊኪተን ሚንስተር ጥዕና ማላዊ ክሁምቢዝ ካንዶዶ ቺፖንዳ ከምዚ ይብላ።

“ብፍላይ ኣብ ህፃናት ኢና ጠመተ ንገብር ምኽንያቱ ኣብ ወርሓት ክረምቲ፣ ከምኡ እውን ሕዳርን ታሕሳስን ብዙሓት ህፃናት ብሕማም ዓሶ ክሳቀዩ ንዕዘብ ኢና።”

ቺፖንዳ ወሲኸን እዚ ውሳነ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ ምስ ወኪል PATH ዝተባህለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ ኢለን።

ውዱብ ጥዕና ዓለም ነቲ ክታበት ቅድሚ ዓመታት አፍልጦ ዝሃቦ ኮይኑ ኣንፃር ሕማም ዓሶ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓብዪ ግደ ከምዝህልዎ ገሊፁ እዩ። እዚ ግላክሶ ስሚዝ ክላይን ዝተባህለ ትካል ከም ክታበት ዓሶ ሞስኲሪክስ ገይሩ ዝሸጦ ዘሎ ክታበት 30% ውፅኢታዊ ዝኾነ ኮይኑ ኣርባዕተ ዓቀን እቲ ክታበት ምውሳድ የድሊ። ይኹን እምበር እዚ ብፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስን ዝድገፍ ክታበት ዋግኡ ምስቲ ትሕዝትኡ ንምምጥጣኑ ስግኣት ኣልዒሉ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣሶሼትድ ፕረስ ንዳይሬክተር ፕሮግራም ዓሶ ፋውንዴሽን ጌትስ ዝኾነ ፊሊፕ ዌልክሆፍ ጠቂሱ ከምዝበሎ እቲ ፋውንዴሽን ነቲ ክታበት ዝድግፉ ማሕበራት ዝሕግዝ ኮይኑ ብቀጥታ ነቲ ክታበት ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ግን ከምዘይህሉ ምግላፆም ይጠቅስ። ንሶም ከምዝበሎ እቲ ክታበት ብተዛማዲ ዝተሓተ ዓቅሚ ከምዘለዎን ከምኡ'ውን ክባርን ሎጂስታካዊ ንምብፃሑ ፈታኒ ን ምዃኑ እዩ።

ማዚኮ ማተምባ ኣብ ማላዊ ኣምባሳደር ጥዕና ኣብ ምንቓሕ ሕብረተሰብ ዝነጥፍን እዩ። ንምጅማር እቲ ክታበት ኣመልኪቱ ድማ ከምዚ ይብል።

“ኣብ መወዳእታ እቲ ክታበት ዓሶ ኣብ ማላዊ ክዋሃብ ክጅምር ምዃኑ ዘሐጉስ ዜና እዩ። ኣሃዛዊ ፀብፃብ ከምዝሕብርዎ ሕማም ዓሶ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ቀልጢፉ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሕማም እዩ፤ ብምዃኑ ንንመኸላከሊ ዘገልግሎም ተወሳኺ ሓደ እታወት ንውስኽ ብምህላውና እዞም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትና መከላኸሊ ክረኽቡ እዮም ዝብል ተስፋ ኣለና”

ማተምባ ወሲኹ ብዛዕባ እቲ 30% እዩ ናይ ምክላኻል ዓቅሙ ዝብል ብዙሕ ዘጭንቅ ዘይሙዃኑን ኩሎም ክታበታት 100% ውፅኢታውያን ኣይኮኑን ይብል።

ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ ሕማም ዓሶ ኣብ ማላዊ ቀንዲ ቀታላይ ሕማም ክከውን ከሎ ካብ ተመላለስቲ ሕሙማን ሆስፒታላት እቶም 36% ብዓሶ ዝተተሓዙ ክኾኑ ከለዉ 15% ድማ ዓራት ሒዞም ዝሕከሙ ምዃኖም የርኢ።

ገለ ገለ ተመራመርቲ ድማ ዋላ'ዃ ብተዛማዲ ዝተሓተ መጠን ውፅኢታውነት እንተሃለዎ ምስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዓመታዊ ዝረአ 200 ሚልየን ብሕማም ዓሶ ዝተሓዙን ካብዚኦም 400,000 ድማ ዝሞቱሉ ኩነታት ኣንፃር ዓብዪ ተጽዕኖ ክህልዎ ምኳኑ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG