ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ፡ ኵልመት ዓይኒ ምጥፋኣ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ሃገረ ማላዊ ምሉእ ብምሉእ ንሕማም ዓይኒ ኵልመት (ትራኮማ) ካብታ ሃገር ምጥፋኣ ኣፍሊጡ። ንጋና፡ ጋምቢያን ቶጎን ስዒባ፡ ማላዊ ነዚ ሕማም ካብ ሃገራ ብምጥፋኣ ራብዐይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና እቲ ዜና ይጠቅስ።

ካብ 1980ታት ብብዝሒ ሕማም ኵልመት ክትሳቐ ዝጸንሐት ምዃና ዝተሓበረ ማላዊ፡ ኣብ 2008 ግን ሃገራዊ ዘመተ ብምጅማር ምስ ዝተፈለላየ መሻርኽቲ ኣካላት ብምዃን ነቲ ሕማም ኣብ ምውጋድ ክትሰርሕ’ያ ጸኒሓ።

ንሕማም ኵልመት ንምውጋድ፡ ዝተፈላለዩ ማእከላት መከናኸኒን መሐከሚን ኣጣይሳ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።

ሕማም ኵልመት ካብቶም ውሑድ ኣቓልቦ ዝወሃቦም ሕማማት ተባሂሉ ዝጠቅስ ኰይኑ፡ ዳርጋ ንፍርቂ ኣፍሪቃ ግን ዘጥቅዕ ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG