ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ፡ ቁጽሪ ብሰንኪ መንሽሮ ማህጸን ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ንምንካይ ወፍሪ ክታበት ትሕቲ ዕድመ ጀሚራ


ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሕማም መንሽሮ ማህጸን ካብ ዝረአየላ 17 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማላዊ ክልተ ጥራይ ሓካይም ማህጸን ከምዘለውዋ ሰበ ስልጣን’ታ ኣህገር ይገልጹ።

ስለ ዝኾነ ድማ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ማሕጸን ዝሞታ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ንምንካይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መንግስቲ ማላዊ አንጻር’ቲ HPV ተባሂሉ ብምህጻረ ቃል ዝጽዋዕ መንሽሮ ዘስዕብን ቫይረስ ዓብይ ናይ ክታበት ወፍሪ ጀሚሩ’ሎ። እዚ መደብ ዕድሚኣን ካብ 9-14 ዓመት ንዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ዕላማ ዝገበረ’ዩ።

እዚ ዓብይ ወፍሪ ክታበት ዝካየድ ዘሎ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2013 -2015 ኣብ ክልተ ወረዳታት ዝተገብረ ፈተነ ወይ መርኣያ ፕሮጀክት እዩ።

እዚ ወፍሪ ክታብት ጸረ መንሽሮ ማህጸን ዘስዕብ HPV ቫይረስ ዝካየድ ዘሎ ብግሎባል አሊያንስ ንክታበት ዝተባህለ ትካል ኮይኑ ን ኣስታት 1.5 ሚልዮን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ’ታ ሃገር ንምክታብ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG