ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ ሕማም ዓሶ ኣብ 2030 ንምጥፋእ ወፍሪ ምጅማራ ተገሊጹ


መንግስቲ ማላዊ ኣብታ ሃገር ቀንዲ ቀታሊ ዝኾነ ሕማም ዓሶ ክሳብ ዝቅጽላ ትሸዓተ ዓመታት ንምጥፋእ መደብ ከምዝዘርገሐ ኣፍሊጡ። ኣብ’ታ ሃገር ናብ ሆስፒታላት ካብ ሞንጎ ንሕክምና ዝኣትው እቶም 15 ሚእታዊት ዓሶ ዝሓመሙ ሰባት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ ።

'ዜሮ ሕማም ዓሶ' ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከምዝህሉ ዝገለጹ ፕረዚደንት ላዘረስ ቻክዌራ "ኣሃዛዊ ሓበሬታት ብዛዕባ ዓሶ ዘሰንብዱ ኮይኖም ኣለው" ኢሎም።

እቶም ፕረዚደንት መጠን ተመላለስቲ ተሓከምቲ 36 ሚእታዊት፣ ኣብ ሆስፒታላት ደቂሶም ዝሕከሙ ድማ 15 ሚእታዊት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም ።

እዚ ተበግሶ'ዚ አካል'ቲ ሕማም ዓሶ ኣብ 2030 ካብ ዓለም ንምጥፋእ ዝካየድ ወፍሪ'ዩ::

XS
SM
MD
LG