ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሊ: ድሕሪ ሓድሽ እገዳ ኢኮዋስ ዶባታ ትዓጽው


ወታሃደራዊ መራሒ ማሊ ኮነሬል ኣሲሚ ጎየታ
ወታሃደራዊ መራሒ ማሊ ኮነሬል ኣሲሚ ጎየታ

ወታሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ(ኢኮዋስ) ንዘንበሩሎም እገዳታት ንዶባት ብምዕፃውን ኣብተን ነዚ መቕፃዕቲ ዘንበራ ሃገራት ዘለው ኣምባሳደራት ብምስሓብን ግብረ መልሲ ሂቡ።ናይቲ ዞባ ደንበ ወታሃደራዊ መራሕቲ ማሊ ኣብ ለካቲት ከካይዶ ቃል ኣትዩ ዝነበረ ምርጫ ድሕሪ ምንውሖም ትማሊ ሰንበት ሓድሽ ማዕቐብ ኣንቢሩ ኣሎ።

መራሕቲ 15 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኢኮዋስ ምስ ማሊ ዝነበሮ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያዊን ርክባት ናይ ምቁራፅ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ።

እተን ሃገራት ኩሎም ኣማባሳደራተን ብምስሓብን ብምዕፃውን ምስታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ዘራኽቡ ናይ ምድርን ሰማይን መራኸቢታት ዓፅየን ኣለዋ።

ኢኮዋስ እቲ ወታሃደራዊ መንግስቲ ዘቕረቦ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስግግ ር እዋን ተቐባልነት የብሉን ኢሎ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG