ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሊ: ን42 ብእስላማዊ ጕጅለ ንዝተቐትሉ ወታሃደራታ ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ


ባማኮ-ርእሰ ከተማ ማሊ
ባማኮ-ርእሰ ከተማ ማሊ

ብኮነሬል ኣሲም ጎይታ ዝምራሕ ወታሃደራዊ መንግስቲ ማሊ፡ ብዝተራቐቐ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብእስላማዊ ጕጅለ ዝተቐትሉ 42 ወታሃደራቱ ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ። መግለጺ መንግስታዊ ምንጭታት እቶም ጥሩፋት እስላማውያን ጕጅለ ንዝተወሃሃደን መጥቃዕቲ ንምክያድ ካብ ደገ ሓገዝ ረኺቦም’ዮም ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መንግስቲ ሩስያ ንማሊ ናይ ነዳዲን መግቢን ሓገዝ ንምግባር ፕረዚደንት ፑቲን ምስ መራሒ ማሊ ምዝርራቦም ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

ካብ 2013 ኣትሒዛ ኣንጻር ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ እትቃልስ ዘላ ማሊ፡ ትማሊ ሰሉስ ካብ ሩስያ ነፈርቲ ኲናት ምቕባላ ተፈሊጡ ኣሎ። ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ሰዲዳ ዝነበረት ፈረንሳ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ርክብ ምብታኻ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG