ባማኮ -ማሊ —
ወታሃደራዊ መንግስቲ ማሊ፡ ረድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናልን (Radio France Internationale) መደበር ቴለቪዥን ፍራንስ 24ን (France 24) ካብ ሎሚ ሓሙስ ኣትሒዙ ናብታ ሃገር ዝገብርኦ ፈነወ ከቋርጾ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደ እተን ክልተ መደበራት መራኸቢ-ብዙሃን ፈረንሳ፡ ኣብታ ሃገር ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተሃለ ሰብኣዊ ግፍዒ ንጸብጻብ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ድሕሪ ምቅላሐን’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ብዕልዋ ድሕሪ ምሓዙ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ጕጅለ፡ ነቲ ብህዩማን ራይትስ ዎች ዝቐረበ ጸብጻብ ክነጽጎ እንከሎ፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ንምጽላም ዝዓለመ ተበግሶ’ዩ ብምባል ይዅንኖ።