ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሊ: ተቓውሞ ከተማ ባማኮ ወዲ ፕረዚደንት ከይታ ካብ ስልጣን ክሰናበት ቀሲቡ


ኣብ ባይቶ ማሊ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ካሪም ከይታ ዝተባህለ ወዲ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ከይታ
ኣብ ባይቶ ማሊ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ካሪም ከይታ ዝተባህለ ወዲ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ከይታ

ካሪም ከይታ ዝተባህለ ወዲ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ከይታ፡ ኣብ ባይቶ ማሊ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ - ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞ ካብ መዝነቱ ብወለንትኡ ከምዝተሰናበተ ኣፍሊጡ።

ንሱ ካብ ስልጣኑ ናይ ምልቃቕ ውሳነኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ብወገነይ ልዕሊ ዝኾነ ሃገረይ ስለዝሰርዕ ፡ ናተይ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ መደብ ወይ ድማ ትልሚ ንማላውያን ዕንቅፋት ክኸውን ኣይደልን እየ ክብል ሓቢሩ።

ባማኮ ርእሰ ከተማ ማሊ ኤም ፋይቭ M5 ወይ ድማ ምንቅስቓስ ሰነ ሓሙሽተ ተባሂሎም ብዝጽውዑ ተቓወምቲ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዛ ክትሕመስ ምጽንሓ ይፍለጥ።

በቲ ዝተላዕለ ተቓውሞ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ። ኣስታት 100 ድማ ከምዝቖሰሉ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። መንግስቲ ማሊ ነቲ ተቓውሞ ንምቁጽጻርን ህድኣት ንምንጋስን ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣስታት 20 ተቓወምቲ መንግስቲ ከምዝፈትሐ እዩ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG