ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ፍትሒ ኣሜሪካ ፥ ኣብ ግዝኣት ዊስከንሰን ብዛዕባ ብጥይት ዝተወግአ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ፥ መርመራ ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ


ሚንስትሪ ፍትሒ ኣሜሪካ ፥ ኣብ ግዝኣት ዊስከንሰን ብዛዕባ ብጥይት ዝተወግአ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ፥ መርመራ ሲቪላዊ መሰል ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ።

ጃኮብ ብለይክ፥ ኣብ ዝባኑ ብጥይት ተሃሪሙ ትሕቲ መዓንጥኡ ሰንኪሉ ይርከብ። ነቲ ብካሜራ ዝተቐርጸ ማህረምቲ ጥይት ንምቅዋም ኣብ ከተማ ሚልዋኪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ሰልፊ ቀንዩ ኔሩ`ዩ ።

እቲ ማህረምቲ ጥይት ዝተላዕለ፥ ሓንቲ ጓለ-ኣንስተይቲ፥ ናይ ቀደም ፍቕራዊ ዓርካ ኣብ ቀጽሪ ቤታ ብምእታዉ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባራ`ዩ። ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንከእትዎ ኣብ ዝነበረ ግድል እቲ ተኹሲ ከምዘጋጠመ ድማ ብፖሊስ ዝወጸ ሪፓርት የመልክት።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣባል ሃገራዊ ማሕበር ጸወታ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣሜሪካ ዝኾነት ጋንታ ሚልዋኪ፥ ንማህረምቲ ጃኮብ ብለይክ ብምቅዋም፥ ትማሊ ረቡዕ ዝነበራ ግጥም ሰሪዛቶ`ላ፥ ንዓዓ ስዒበን ድማ ኣርባዕተ ካልኦት ጋንታታት ኤን-ቢ-ኤ ኣይንጻወትን ኢለን ኣዲመን ኣለዋ።

Recommended

XS
SM
MD
LG