ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ፍትሒ ኣመሪካ ንዝሓለፈ ምርጫ'ታ ሃገር ዝምልከት ቃለ-ምስክርነት 40 ሰባት ምስምዑ ተገሊጹ


ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን መሻርኽቶምን፣ ንውጽኢት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ምርጫ ንምቅልባስ ጽዒሮም ንዝብል ዝቀርብ ክሲ ሚኒስትር ፍትሒ ኣመሪካ ንቃለ ምስክርነት 40 ሰባት ከምዝተቀበለ ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ትራምፕ ዝነበረ ቦሪስ ኢፕስተይንን ስትራተጂስት ትራምፕ ዝነበረ ማይክ ሮማንን ቴለፎኖም ከምዝተወረሱ እታ ጋዜጣ ጠቂሳ ኣላ።

ዳይረክተር ሚድያ’ቶም ፕረዚደንት ዝነበረ ዳን ስካቪኖ ታሕተዎትን ላዕለዎትን ሓለፍቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝነበሩ ሰባት’ውን ቃለ ምስክርነቶም ከምዝሃቡ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG