ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ/ ኤርትራ ኣብ መደረ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ/ሃገራት ኤርትራ ግዳይ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ምዃና ጠቒሱ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሎሚ ሰኑይ 26 መስከረም ኣብ ኒው-ዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ለበዳ ኮቪድ19ን ካልእ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነትን ንሓያሎ ሃገራት ደቡብ ከም ዝሃሲ ጠቒሱ።

ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መደረኡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ በበይኑ ሰብ-ሰርሖን ባህርያዊን ሳዕቤናት ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኤርትራ ግዳይ ናይቲ ዘይምዕሩይ ዓለማዊ ቅርጺ ምዃና ጠቒሱ። ኤርትራ ብሰንኩ ግዳይ ናይቲ “ግጉይ” ዝበሎ እገዳታት ምዃና ዘመልከተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣስዒቡ፡ “ብመገዲ ኣገልገልቲ ሓይልታት ቀጻሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ምፍጣር፤ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ተጠቒምካ፡ ነዛ ሓዳስ ሃገር ምግላልን ምንጻልን ካልእን ዘጠቓልል ተግባራት ተኻዪዱን ይካየድ ኣሎን፡” ክብል ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሚኒስተር ነቲ ዝጠቕሶ ዘይምዕሩይ ቅርጺን ኣገባባትን ዓለማዊ ከይዲ ንምእራም ዝበሎ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣቐሚጡ። እቶም ብሚኒስተር ዑስማን ዝተዘርዝሩ ነጥብታት ምዕሩይ ዓለማዊ ፍትሒን ዝርጋሐ ሃብቲን ንምትዕርራይ ተባሂሎም ተዘርዚሮም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG